ውድብ ጥዕና ዓለም ዘጽደቖ ፈላማይ ክታበት ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ድርኺት ከምጽእ ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ። ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 265 ሽሕ ቆልዑት ዝቐትል ዘሎ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም`ዩ።
እቲ ሓዲሽ ክታበት ኣብ ምክልኻል ዓሶ ዓቢይ ስጉሚ`ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዛጊት ዘሎ ኣገባባት ምክልኻል ግን ዝትክእ ከምዘይኮነ ክኢላታት ይመኽሩ`ለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ብዓሶ ዝሓሙ ኮነ ዝሞቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥም`ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ናይጀርያ ጥራሕ ልዕሊ ርብዒ ናይ`ቶም ብዓሶ ዝሞቱ ትሕዝ። ዝያዳ ዝጥቅዑ ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑትን ነብሰ፡ጾራትን`የን ይብል ።
ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ምርምር፡ ንፈላማ ግዜ ነቲ ክታበት ዓሶ ኣጽዲቕዎ`ሎ። ዳይሬክተር'ቲ ትካል ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ክታበት ምናልባት ንታሪኽ ጉዕዞ ህዝባዊ ጥዕና ክቕይሮ ይኽእል`ዩ ኢሉ።
ኣብ ናይጀርያ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዎልተር ካዛዲ ብወገኑ፡ እቲ ክታበት ኣብ ናይጀርያ ኣትዮ ኣብ ጠቕሚ ቅድሚ ምውዓሉ ብብዙሕ ናይ ምጽራይን ምቕባልን መስርሕ ከምዝሓለፈ ኣብሪሁ።
ኣብ 2019 ዝጀመረ ናይ ፈተነ ክታበት፡ ኣብ ማላዊ:ኬንያን ጋናን ኣስታት 2.3 ሚልየን ክታበት ዓሶ ተኸቲቦም`ዮም። ሕጂ እቲ ክታበት ካብ 10 ሕሙማት ን4 ክከላኸል ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
እንተኾነ ሕጂ`ውን ሕጽረት ቀረባት ክታበት ከምዘለዎም`ዮም እቶም ኣብቲ ባይታ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ዝገልጹ ዘለዉ። እንተኾነ እቲ ነቲ ክታበት ዘፍሪ GSK ዝተባህለ ፋብሪካ መድሃኒት ነቲ ጸገም ንምቅላል ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ኣብ ኣቡጃ በዓል ስልጣን ጥዕና ንዳዮ ኢወት እዚ ሓዲሽ ክታበት፡ ነቲ ዝጸንሐ ኣገባባት ምክልኻል ሕማም ዓሶ ዝትክእ ክኸውን የብሉን ይብል ።
እቲ GlaxoSmithKline ወይ GSK ብምሕጻረ ቃል ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዙፍ ኩባንያ መድሃኒት፡ኣብ ዓመት 15 ሚልየን ክታበት ዓሶ ከምዘፍሪ ኣፍሊጡ`ሎ። እንተኾነ ክኢላታት መዳይ ጥዕና ኣብቲ ዝያዳ ዓሶ ዝርኣየሉ ከባብታት ኣፍሪቃ ጥራሕ ነቲ ምትሕልላፍ ዓሶ ንምክልኻል፡ ኣብ ዓመት ብውሕዱ ካብ 50 ክሳብ 60 ሚልየን ክታበት ዓሶ የድሊ ይብሉ ። ሕጂ ኣብ ናይጀርያ ዘለዉ ቆልዑት ነቲ ክታበት ብቕልጡፍ ክረኽብዎ ወለዶም ብተስፋ ይጽበዩ`ለዉ።