ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ተርእዮ ቫይረስኮሮና ኣብ 38 ሃገራት ምርኣዩ ተገሊጹ


ሓድሽ ተርእዮ ቫይረስኮሮና ኦሚክሮን እንተወሓደ ኣብ 38 ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።ተመራመርቲ እዚ ሓዱሽ ተርእዮ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ሓደገኛ እንተኾይኑ ንምውሳን ይሰርሑ ኣብዘለው: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ሓዱሽ ተርእዮ ስኽፍታታት እምበር ስምባደ ወይ ጭንቀት ዝፈጥር ኣይኮነን ኢሎም።

ብሪጣንያ ከም ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣመሰላ ዝለዓለ ስግኣት ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመፁ ተጎዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ኣስገዳድ ሕጊ ኣንቢረን።

ኣመሪካ'ውን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝኣትው ገያሾ እገዳታት ኣንቢራ ኣላ።

ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ እቲ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ዘይሳይንስዊንንተርእዮ ኦሚክሮን ንዝረኸቡ ኣፍሪቃዊያን ተመራመርቲ ብፅፍዒት ከም ምውቃዕ ዝቑፀርን እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ክሳብ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኦሚክሮን ኣብ 16 ክፍለ ግዝኣታት v ተራእዩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG