ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ሪፖርት ሕ/ሃ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ ይከስስ


"መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውግእ ናይ ትግራይ ተሳቲፉ ጥራሕ ዘይኮነ ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዕቁባ ዝሓተቱ ኤርትራዊያን’ውን ፈጺሙ" ክብል ናብ ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበ ሪፖርት ከሲሱ።

ፍሉይ ራፖርተር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መሓመድ ዓብደልሳለም ባቢከር፣ ዋላ’ውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣብ ዘንበረት ጉጅለ ኣባል እንተነበሩ፣ ነቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይነጥፍሉ ዘለው ስራሕ ሓድሽ እዮም።

ነዚ ሓላፍነት’ዚ ካብ ዝርከቡ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ዘቅረብዎ ፈላማይ ሪፖርቶም ግና "ውቅዒት" ኣየዕረፉን። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ውሽጢ ግዛኣቱን ኣብ ስግር ዶብን ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ዝፍጽም ዘሎ መንግስቲ ግና ሕማቅ ሪፖርት ኣቅሪቦም እዮም። መሓመድ ባቢከር ከምዚ ኢሎም "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምምሕያሾም ዝሕብሩ ወይ ንምምሕያሽ ዝተወሰዱ ስዳሮታት ንምህላዎም ዝሕብሩ ምልክታት የለውን። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ስግር ዶብ ወሲዳቶ ኣላ። ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ ኣላ።"

ባቢከር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ አብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ብፍላጥ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ፣ ብጅምላ ከምዝቀተሉ፣ ብጾታ ከምዘነወሩን ከምዘጥቅዑን ዝሕብሩ ክስታት ከምዝበጽሖም ጠቂሶም። ሚስተር ባቢከር ወሲኾም "ወትሃደራት ኤርትራ፣ ንኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን ከምዝጨወዩን ከምዝሰወርዎምን" ሓቢሮም።

ወትሃደራት ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ተደኹነን ዝነበራን ንልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቁበን ዝነበራ መዓስከራት ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ኣዕንዮምወን ዝብል ሪፖርት ኣዝዩ ከምዘሻቀሎም ባቢከር ጠቂሶም፣ "ሰበ ስልጣን ኤርትራ ሰራዊቶም ካብ ትግራይ ንከውጽኡ፣ ሃለዋት እቶም ዝተሰወሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓበሬታ ንክህብን ዝተታሓዙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንክፈትሕ ይጽውዕ ኣለኹ።"

ንውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ሚስተር ባቢከር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት ክጠቅስዎ ዝኽእሉ እንኮ ኣዎንታዊ ምዕባለ፣ ብዘይ ፍርዲ ገሊኦም ንልዕሊ 20 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኦርቶዶክስን መሰኻኽር የሆዋን ምፍተሖም እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ንኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊነት ዘይብሉን ሃለዋቶም ኣብ ዘይተፈለጠን ኩነታት ፖለቲካዊን ሕልናዊን እሱራት ንክፈትሖም ተማሕጺኖም።

ንሪፖርት ፍሉይ ራፖርተር ባቢከር ግብረ መልሲ ዝሃቡ ኣምባሳደር ተስፋማርያም ገራህቱ፣ ንህላወ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝጠቀስዎ ነገር የለን። አምባሳደር ተስፋማርያም ነቲ ሪፖርት ብምንጻግ፣ ፖለቲካ ኮይኑ ኢሎምዎ። ንስልጣን እቶም ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ትሕቲ ሕቶ ኣእትዮሞ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ንስራሕ’ቶም ፍሉይ ራፖርተር ከቋርጾ’ውን ሓቲቶም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG