ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መራሒ ጫድ ፈላማይ ኣህጉራዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ


ሓዲሽ መራሒ ጫድ ጀነራል ማሃማት ኢድሪስ ደቢ ናብ ኒጀር ፈላማይ ኣህጉራዊ ዑደቱ ኣካይዱ:: ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ንጫድ ንምምራሕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ስልጣን ካብ ዝውሃቦ ንድሓር እቲ ወዲ 37 ዓመት ሓዲሽ መራሒ ጫድ፡ ምስ ናይ ኒጀር ሓዲሽ ፕረዚደንት መሓመድ ባዞም ተራኺቡ ክዘራረብ መደብ ኣለዎ: ምኽንያት ድማ እቶም ንኣብኡ ዝቐተሉ ዕጡቓት ገሊኦም ናብ ኒጀር ሃዲሞም ዝብል መረዳእታ ስለዘለዎ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ተቓወምቲ ጫድ፡ እቲ ኣቡኡ ሒዝዎ ዝነበረ ስልጣን ንወዱ ክውሃብ ኣይነበሮን-ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ናይ ባይቶ ፕረዚደንት`ዩ ነቲ ቦታ ክሕዞ ኔርዎ ይብሉ። እንተኾነ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ መንግስቲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG