ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መምርሒ ምምሃር ጉዳይ ዓሌት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንክፍለ ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ይመቓቕል


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ደረጃታት ማሕበራዊ መፅናዕቲ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ሓሳብ ወይ ንድፊ ዝቐስቀሶ ክትዕ ክትዕ ኣልዒሉ'ሎ።ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለዲን መምህራንን ካብ መውዐሊ ህጻናት ጀሚሩ ምስ ዓሌትን ማሕበራዊ መንነትን ዝተኣሳሲሩ ንዝህልው ትምህርቲን ለውጥታት ዝተፈላለየ ሓሳባት ይህቡ ኣለው።

ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዘሎ ቕልበሳ ወይ ክለሳ ኣዚዩ ዓብይ እዩ።ሰበስልጣን ኒው ሜክሲኮ ዘውፅእዎም ደረጃታት ዝንቕ ተምሃሮ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ይኽየድ ብምህላው ነዚ ባህሊ መልሲ ዝህብ ብምዃኑ ኣብታ ሃገር ንዝወሃብ ኣስተምህሮ ማሕበራዊ መፅናዕትታት ኣብነት ክኸውን ተስፋ ኣለዎም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዛዕባ ዓሌት ግልፂ ምይይጥ ምክያድ ዝውሰድ ስጉምቲ ቁጥዐ ቐስቂሱ ኣሎ።ገለ ነቐፍቲ ነዚ ዓሌታዊን ማርኪሲስታውን ክብሉ ይወቕሱዎ ኣለው።እቲ ግብረ መልሲ ብኣንፃሩ ቆልዑ ኸፋፋሊ ክትዕ ከይተሓወሶ ብዛዕባ ዓሌት ከመይን ኣበይን ክምሃሩ ከምዘለዎም ካልኦት እውን ይቃለሱ ከምዘለው ንምርኣይ ዕድል ዝሃበ እዩ።

እቶም ግብረመልስታት ብዓሌት ዝተኸፋፈሉ ኣይኮኑን።ኣብታ ሃገር ናይ ዓሌት ፍልልያት ብዙሕ ኣብ ዘይርኣየላ ክፍለ ግዝኣት ስግኣቶም ይገልፁ ካብ ዘለው ደቀባትን ላቲኖም ወለዲ እዮም።ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዛዕባ ናይ ፀለምቲ ባርነት ዝምልከት ትምህርቲ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ከሎ 49% ሂስፓኒክን 11% ድማ ደቀባትን ኣብ ዝነብሩላ ኣብ ኒው ሜክሲኮ እቲ ጠመተ ኣብ ውርሻ ናይ ሳፓኒሽ ወረርቲ Spanish conquistadorsእዩ።

‘’ከም ግዳያት ወይ ጨቆንቲ ተባሂልና ክንምደብ ኣይንቕበልን’’ኢሉ ነባራይ ኣልበከርኪ ጡረታ ዝወፀ ናይ ኣየር ተቖፃፃሪ ማይክል ፍራንኮ።ንሱ እቶም ደረጃታት ንህፃናት ብዛዕባ ዓሌትን ነገድን ዝምህር ናይ ኣሜሪካዊነት ን ታሪኽን ዘዳኽምን እዩ ይብል።

ናይ ኒው ሜክሲኮ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ስቪክስ ታሪኽን ጂኦግራፍን ንናይታ ክፍለ ግዝኣት ህዝቢ ዝሓቁፍ ክኸውንን ተምሃሮ ኣብቲ ካሪክለም ዝተሓቖፉ ኮይኑ ክስምዖምን ምስ ዝተዛነቐ ሕብረተሰብ ንምንባር ድልዊ ክኾኑ ዝገብር ዝዓለመ እዩ ብመሰረት ወግዓዊ መግለፂ’ኡ።

‘’ግዚኡ ዝሓለፎ መዐቅኒታትና ወይ ደረጃታትና ናይ ኒው ሜክሲኮ ተምሃሮ ብዛዕባ ዝነብርሉ ዝተሓላልኸን ዝተፈላለየ ባህሊ ዝሓቖፈን ዓለም ምሉእ ዘይኮነ ኣረዳድኣ ክህልዎ ዝገበረ እዩ’’ ኢሎም ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኩርት ስተይን ሃውስ። "ኣብ ፍሉጣት ሓቅታት ዝተመስረተ ምሉእ ትምህርቲ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለና።እዚ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ድማ ነዚ እዩ ሒዙ’’ ኢሎም።

እቲ ትልሚ ተምሃሮ ኣብ መውዐሊ ህፃናት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ‘’ጉጅለታት መንነት’’ ኣብ ዝቕፅሉ ክፍልታት ድማ ብዛዕባ ‘’ዘይምዕሩይ ናይ ሓይሊ ርክባት’’ ክምሃሩ ይፅውዕ።ሓደ ካብቶም ዝቐረቡ ንድፍታት ተምሃሮ ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ዝተፈለዩ ጉጅለታት ዕድላት ‘’ማሕበራዊ ፖሊስታትን ቁጠባዊ ሓይልታትን ዝተፈለየ መሰልን ወይ ስልታዊ ዘይምዕሩይነትን ክግምግሙ’’ ዝሓታት እዩ።ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ንፈለማ ግዜ መፅናዕትታት ነገድ ታሪኽ ምንቅስቓስ መሰላት ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ኣብቲ ካሪክለም ክሕወስ እዩ።

ኣብ ኣልበከርኪ ካህን ረቨረንድ ሲልቪያ ሚለር ሙቲያ ነቲ ለውጢ ተቐቢለንኦ ኣለዋ።ንሰን ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝፅሓፍኦ ርእይቶ ቆልዑ ብዛዕባ ዘርኢ ኣቐድም ኣቢሎም ስል ዝሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩዎ ብምግባር ዝተጋገየ ኣተሓሳስብኦም ኣቐዲምካ ንምእራም ጠቓሚ እዩ ክብላ ይከራኸራ።ቦኽሪ ውላደን ኣብ ሰለስተ ዓመታ ፍሊፒኖ ወላዲ ኣቡኣ ፀሊም ቆርበት ስለዘለዎ ኣሜሪካዊ ከምዘይኮነ ኣዲኣ ድማ ቀይሕ ቆርበት ስለዘለዋ ኣሜሪካዊት ኢላ ከምዝነገረተን ይገልፃ።

ሚለር ሙቲያ ኣብ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ"ቀይሕ ቆርበት ዘለዎ ኣሜሪካዊ ከምዝብሃል ብኣግኡ ቅድሚ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ኣብ መዋእለ ህፃናት ክሕሰብ ምኽኣሉ ባህላዊ መስመር ዝሕብር እይ’’ይብላ ።

ብዴሞክራት ዝምርሓ ብዙሓት ክፍለ ግዝኣታት እታ ሃገር እዞም ባህላዊ ኣረዳድእታት ንምዝናቕ ይደልዩ ኣለው።ብሪፓብሊካዊያን ዝመሓደራ ድማ ነዚ ክመፅእ ዝኽእል ለውጢ ንምክልኻል ይሰርሓ ኣለዋ።ካሊፎርኒያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መፅናዕትታት ነገድ አጥኒች ስቱዲአስ ንምምራቕ ከም መዐቀኒ ካብ ዘቐመጣ ክፍለ ግዝኣታት ፈላመይቲ ኮይና ኣላ።ቴክሳስ ድማ መምህራን ኣብ ኩሎም ዛዕባታት ብብዙሕ ክርንዓት ከቕርቡዎ ዘገዽ ሕጊ ኣውፂኣ ኣላ።ሓንፀፅቲ ሕጊ ኢንዲያና ድማ መምህራን ‘’ዘይሻራዊ’’ መርገፂ ክሕዙ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለው።

ክፍሊ ትምህርቲ ኒው ሜክሲኮ ብዛዕባ ደራጃታት ትምህርቲ ኣብ ሕዳር ዝቐረቡ ንልዕሊ ፩፣፴0 ደብዳበታትን ዓሰርተታት ሪኢቶታትን ይምርምሩ ኣለው።እቶም ለውጥታት መብዛሕቲኦም መምህራን ማሕበራዊ መፅናዕትታት ዝኾኑ ካብ መላእ እታ ክፍለ ግዝኣት ብዝመፁ ፮፬ ሰባት እዩ ተፃሒፉ።ኣብ ዝቕፅል ፅዲያ ክሕተም እዩ።

ሓንቲ ካብተን ፀሓፎ ኣብ ሳንታ ፈ ማእኸላይ ቤት ትምህርቲ መምህር ታሪኽ ዝኾነት ወንዲ ለይተን እያ።ከም ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ መራሒት ክፍሊ ትምህርቲ ታሪኽ እቲ ሸቶ ዝተገለሉ ጉጅለታት ናብ ማእኸል ፅመፅሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ትብል።

ኣብ ታሕሳስ ክትምህር ከላ ኣብቲ ክፍሊ ማእኸል ናይቲ ትምህርቲ መንነት ነይሩ።ማእኸል ናይ ሓይሊ ኣበይ ከምዘሎ ከም ፈተነ ኣቕሪባ።ካህን፣ደቂ ተባዕቲዮ መንከ እዩ ናብ ወሰን ዝድፋእ ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልገልቲ ዝብል ነይሩ።

‘’ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ዝተገለለ ጉጅለ መን እይ፧’’ ክትብል ነቲ ክፍሊ ሓተተት።

ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ሪፓብሊካዊያን ወለዲ ብዛዕባ ዘርእን ካልኦት ዓበይቲ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ንደቆም ክምህሩ ኣለዎም ክብሉ ይከራኸሩ።

‘’ቀዳምነት ክወሃቦ ኢለ ዝሓስቦ ሕሳብ፣ምንባብን ምፅሓፍን እዩ።ደረጃታት ማሕበራዊ መፅናዕትታት ኣይኮነን’’ ኢለን ንዴሞክራት ኣምሓዳሪ እታ ክፍለ ግዝኣት ሚሸል ሉጃን ግሪሻም ካብ ስልጣን ንምልዓል ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንኣማሓዳሪነት ይወዳደራ ካብ ዘለዋ ሓንቲ ሪፓብሊካዊት ረበካ ዶው።

ኣብቲ ህዝባዊ ሪኢቶ ዝተሳተፉ ገለ ወለዲ ደቆም በቲ ይወፅእ ዘሎ ንድፊ ኣብ ክንዲ ዝምሃሩ ኣብ ገዛ ክምህሩዎም ከምዝመርፁ ይገልፁ።

‘’ቓልስን መከራን ንሓደ ውሱን ዘርኢ ወይ መንነት ዝተወሰነ ኣይኮነን።ፍሉይ ረብሓ እውን ከምኡ’’ ኢሉ ሉቃስ ቲየም ዝተብሃለ ኣቦ ሓሙሽተ ተምሃሮ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ።እቲ ንድፊ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ንደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ንምውፃእ ቅሩባት እዮም።

ብሓፈሻ ለውጢ ዝደልዩ ገለ ወለዲ ዘርኢ ብዝምልከት ናብ ህፃናት ምትእትታው ጠቓሚ እንተኾይኑ ይጠራጠሩ።

፬፩ ዓመት ዝዕድሚኡ ሸልደን ፒከሪንግ ንክልተ ፀለምቲ ቆልዑ የዕቢ።ኣብ ልዕሊ ደቁ ዘርኣውነት እናገደደ ምኻዱ ይዛረብ።በዘርኡ ፃዕዳ ዝኾነ ንሱ ካብቶም ዝጠራጠሩ ሓደ እዩ።

‘’ኣቐዲምና እንተጀሚርናዮ ኣብ መዋእሎም ብዙሕ ዘይረኽቡዎ ህፃንነቶም ንሰርቆም ኢና ዘለና’’ይብል ፒከሪንግ።ብምውሳኽ ቆልዑ ብነፃ ኣተሓሳስብኦም ዋላ ሓደ ነገር ከይተውሃቦም ህይወቶም ብታሕጓስ ከሕልፉዎ ኣለዎም ይብል ።

XS
SM
MD
LG