ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ሒሳባዊ ቀመር ናይ ምምሃዝ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዎ ቆልዓ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ


ሓድሽ ሒሳባዊ ቀመር ናይ ምምሃዝ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዎ ቆልዓ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:45 0:00

ሓድሽ ሒሳባዊ ቀመር ናይ ምምሃዝ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዎ ቆልዓ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ

ወዲ 13 ዓመት ገብረሚካኤል ዘማርያም ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብፍልጠት ቀመር፣ ቁጽሪን ኣውደ ኣዋርሕን መዘና ዘይብሉ’ዩ፣ ምስ ዓበየ ምናልባሽ ማዕረ ኣልበርት ኣይንስታይን ካልኦትን መሃዝትን ተመራማርትን ክኸውን ከምዝኽእል በዓል ሞያ ስነ ኣእምሮ ኣቶ ብርሃነ ስዩም ገሊጹ።

‘ከምዚኦም ዝመምሰሉ ሰባት፣ ሓሓሊፎም ዝፍጠሩን ውሑዳትን’ዮም፣ ሒሳባዊ ቀመር ኣብ ምምጻእ፣ ሶፍትዌር ኮምፕዩተር ኣብ ምምዕባል፣ ኤነርጂ/ጸዓት ኣብ ምምጻእ መሪሕ ኮይኖም ዝነጥፉ ሰባት’ዮም’ ኢሉ’ውን ይገልጾም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ትምህርቲ ስነ ኣእምሮ ዝምህር ብርሃነ ስዩም።

ሓድሽ ሒሳባዊ ቀመር ናይ ምምሃዝ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዎ ቆልዓ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:45 0:00

ወላዲት ገብረሚካኤል ዘማርያ ዝኾነት ወ/ሮ ዛፉ ሃደራ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ምስ ወዳ ገ/ስላሴ ኮይና ብተግባር ልመና ትናበር ከምዝነበረትን፣ ዝራኣዩዎም ዜጋታት ቅድም ንገብረሚካኤል ቀጺሎም ንወ/ሮ ዛፉ ካብ’ቲ ተግባር ከምዝገላገልዋ ጋዜጠኛ ዘውዲ በላይነህ ትዛረብ።

ገብረሚካኤል ዘማርያም ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ካብ ዝግመት ንላዕሊ ክእለት ምርባሕን ፍልጠት ኣዝዮም ብዙሓት ቁጽሪታትን ኣውደ ኣዋርሕን ኣለዎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ወ/ሮ ዛፉን ክልተ ደቃን፣ ብገበርቲ ጽቡቕ ናብ መቐለ ተሳሒቦም ኣብ ቤ/ትምህርቲ S.O.S ምስ ምሩጻት ተማሃሮ ይማሃር ኣሎ።

ንወ/ሮ ዛፉን ንወዳ ገብረስላሴ ዘማርያምን ንምሕጋዝ ዝደልዩ ሰማዕቲ ወ/ሮ ዛፉ ሃደራ ብትውንኖ ካዝና ናይ ባንኪ፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ሒሳብ 100-013-708-8588 ከእትው ይኽእሉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG