ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዳሽ ዝተመርጻ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ካቢነኣን መስሪተን


ሓዲሽ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ጌሩ ዝመረጸን ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ሚኒስተራት ፈደራል መንግስቲንን ኣባላት ተወዳደርቲ ፓርቲታትን ዝሓቆፈ ካቢነ ከም ዝመስረታ ተገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ 138 ኣባላት ብዘለዉዎ ቤት ምኽሪ ኸንቲባ ዝኾና ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ቃለ ማሕላ ድሕሪ ምፍጻመን ኣብ ዘስመዕኦ መደረ እቲ ሓዲሽ ቤት ምኽሪ ዝተመስረተ ምርጫ ንኸይግበር ዝነበሩ ዝበልኦም ናይ ወጻኢ ጣልቃ ምትእትታው ተጻዊሩ ዝተገብረ ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢለን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ንሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀንዓ ያደታን ሚኒስትር ባህልን ቱሪዚምን ዶክተር ሂሩት ካሳሁን ካብ ኢዜማ አቶ ግርማ ሰይፉን ካብ ኣብን ኸኣ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂምን ዝሓቆፈ ሓዲሽ ካቢኔ መስሪተን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG