ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዱሽን ቕልጡፍን ምርመራ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኪቪድ 19  ደው ከብሎ ከምዝኽእል ተገሊጹ


ሓዱሽን ቕልጡፍን ምርመራ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኪቪድ 19 ደው ከብሎ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

መሰረት ትንታነ ብራውን ዩኒቨርስትን ራድዮ NPRን ኣሜሪካ ኣብ ፃዕርታት ምርመራ ክንድ'ቲ ዝግብኣ'ዃ ተኻይድ እንተዘየላ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ግን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ክትምርም ኣለዋ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንተገበረ እውን መዓልታዊ ንሓደ ሚሊዮን ሰባት ምምርማር ኣይተኽኣለን።

ኣብ ቀረባ ግን ኣብ ውሽጢ ካብ 15 ክሳብ 30 ደቓይቕ ውፅኢት ምፍላጥ ዘኽእል ገሊኦም ምርመራታት ኣብ ገዛኻ ኮይንኻ ክካየዱ ዝኽእሉ ምትእትታዎም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG