ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ጉጅለ ወለንተኛታት መንእሰያት ንትርጉም ቋንቋ ትግርኛ ዘገልግል መርበብ ሓበሬታ የዳልው


ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝርከብ ትራቨስ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ብሕታዊ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታት ዓለም ትርጉም ቃላት ኾነ ምሉእ ሓሳባት ብቀሊሉ ክረኽቡ ንዘይክእሉ ቋንቋታት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምድላው ዝነጥፍ ትካል እዩ።

እዚ ትካል ነዚ ናይ ትርጉም መርበብ ሓበሬታ ምድላው ብቋንቋ ትግርኛ ዝጀመረ ኽከውን ከሎ ካብ ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተዳለው መርበብ ሓበሬታት ትርጉም ዝፈልዮ ቃላት ጥራይ ዘይኾነ ምሉእ ሓሳባት ንምትርጓም ዘኽእል ምዃኑን ቀጺሉ’ውን ብድምጺ (ዘረባ) ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ንምድላው መደብ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ንምድላው ዘድልይ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ንምእካብ ሓደ ናይ ትርጉም ጸወታ ብምድላው ንኣገልግሎት ጀሚሩ’ሎ።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ መጀመርያ ‘ዚ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ‘ዘ ሴንቴንስ ሶሳይቲ’ (The Sentence Society) ማለት ማሕበረሰብ ምሉእ ሓሳባት ብዝብል መጸውዒ ዝጀመረ ጸወታን ዝዳለው ንዘሎ መርበብ ሓበሬታ ትርጉም ዝምልከት ምስ ክልተ አባላት’ቲ ጉጅለ ቃለ መጠይቕ ኣካይድና አለና።

ንአካያዲ ስራሕን ሓደ ካብ ተርጓምቲን ዝኾነ መንእሰይ ናሆም ብርሃነን ንዳይሬክተር’ቲ ትካል ኤሊሳ ግሎሪ’ያ።

አባላት እታ ጉጅለ ብዘይ ተሳትፎ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ ማሕበረስብ እቲ ክበጽሕዎ ዝመደቡ ከምዘይከአል ብምሕባር ኩሉ ግዱስ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ኣብቲ ዝካየድ ንጥፈታት ክሳተፍ ይዕድሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG