ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ዜጋ ቻይና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቐቲሉ፣ ኤምባሲ ቻይና መጠንቀቕታ ይህብ


ፋይል
ፋይል

ገብረ ጉርቻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 160 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ስፍራ፡ ትሽዓተ ዜጋታት ቻይና መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ንኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ምንጩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ምቕታሉ ሓቢሩ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ መጥቃዕቲን ፈጸምቲን ኤምባሲ ቻይና ዝርዝር ኣይሃበን።

እንተዀነ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፡ ጭውያን ዘረፋን የጋጥም ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ንዜጋታቱ ዝግባእ መጠንቀቕታ ክገብሩ ጸዊዑ ኣሎ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታት ቻይና’ውን ብቕልጡፍ ናብ ውሑስ ቦታ ክወጽኡ እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ ክንድ'ቲ ዝግበኦ መጠን ሸፈነ ከም ዘይረኸበ ዝገልጽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ብቴለፎን ዝተዛራረቡሉ’ውን፡ ሓደ ካብቲ መዛራረቢ ዛዕባ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG