ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ አባል መሪሕነት ፓርቲ ኢዜማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምቕታሉ ተገሊጹ


ኣባል መሪሕነት ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ከምዝተቐተለ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ብሾፍቱ ብጥይት ከምዝተቐተለ ዝግለጽ ዘሎ አቶ ግርማ ሞገስ ለገሰ፤ ኣብ አድአ ምርጫ ወረዳ 1 ኣቦ መንበር ዝነበረ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ቅትለት ዝተሓተተ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ቅድሚ መርመራ ምውድኡ ሓሳብ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና ኢሉ`ሎ።

ወሃቢ ቃል ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ቅድሚ ሎሚ`ውን ምፍርራሕ ይጋጥሞም ከምዝነበረ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ይመጾ ከምዝነበረ ሓቢሩ`ሎ::

XS
SM
MD
LG