ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ መዓልቲ ኣብ ህይወት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ


ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሎሚ 13 ሰነ (20 ሰነ) ኣብ መላእ ዓለም ይዝከር ኣሎ::

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዝመሃር ኤርትራዊ ስደተኛ በራኺ ወልዳይ ብዛዕባ ናይ ስደት ህይወቱ ብፍላይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ህይወቱ ከምዚ ክብል ይገልጽ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት እዩ: ሃገሩ ኤርትራ ገዲፉ ዶብ ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ በራኺ ይገልጽ:: ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዓዲ ሓርሽ ኣብ ዝበሃል መዕቖቢ ስደተኛታት ድሕሪ ምፅናሕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ናብ ዩኒቨርስቲ ክኣቱ ኪኢሉ:: ኣብ ዩኒቨርሲት ኣክሱም ድማ ብነርሲንግ ቀዳማይ ድግሪ ናይ ምምሃር ዕድል ረኺቡ::

ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ዩኒቨርቲታት ንመዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራ እቲ ዝቐረበ እዩ:: ኣብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ህይወቱ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተሓዋዊሱ ብምምሃሩ ሰናይ ርክብ ምጅማሩ ዝገልፅ በራኺ ብቋንቋ ዘይምርድዳህ ካብ ዘጋጠምዎ ብድሆታት ምንባሩ ይዛረብ::

በራኺ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብነርሲንግ ብድግሪ ክምረቕ እዩ:: ድሕሪ ምምራቑ ተመሊሱ ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዝኣቱ እዩ ገሊፁ:: እንተኾነ ግን ካልእ ዕድል ትምህርቲ እንተረኺቡ ክመሃር ድልየት ከምዘለዎ ይገልጽ::

"ካብ ዓድኻ ተስድዲካ ስለዝወፃእኻ ተስፋ ምቑራፅ ኣየድልን" ዝብል መርገጺ ዘለዎ በራኺ ዝኾነ ስደተኛ ዝረኸቦ ዕድል ተጠቒሙ ህይወቱ ንምቕያር ብትብዓት ክሰርሕ ይግባእ ይብል:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣርባዕተ ናይ ስደተኛታት መዕቖቢ ጣብያታት ልዕሊ 50 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተገሊፁ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ህይወት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:39 0:00

XS
SM
MD
LG