ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

​ሓደ መርማሪ ቦርድ  ፈይስ ቡክ ትራምፕ ካብ ፈይስቡክ ይተኣገድ`ዶ ንዝብል ውሳነ ክህብ ይቀራረብ ኣሎ


​ሓደ መርማሪ ቦርድ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፈይስ ቡክ ትራምፕ ካብ ፈይስቡክ ይተኣገድ`ዶ ዝብል ውሳነ ሎሚ ክህብ ይቀራረብ ኣሎ ። እቲ ቦርድ 20 ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ ብክኢላታት ሕጊ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዝቖመ`ዩ።

ምኽልካል ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝስማዕ ዘሎ ኣብቲ ዝሓለፈ ጥሪ 6 ኣብ ህንጻ ቤት ምኽሪ (ካፒቶል ሂል) ብደገፍቱ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ምርጫ ተሰሪቑ`ዩ እናበለ ብሓሶት ተደጋጋሚ መልእኽትታት ኣብ ፈይስቡክ ድሕሪ ምውጽኡ`ዩ።

ፈይስቡክ ንክልተ መልእኽቲ ትራምፕ ኣልጊሱ ንዕኡ`ውን ን24 ሰዓታት ኣጊድዎ ኔሩ`ዩ። ድሕሪኡ ግን ንዘይተወሰነ ግዜ ካብ ፈይስቡክን ኢንስትግራምን ኣጊድዎ`ዩ ጸኒሑ ። ሕጂ መርማሪ ቦርድ ንሓዋሩ`ዶ ይትኣገድ ንዝብል ውሳነ ክህብ ዝዳሎ ዘሎ።

ዋና ፈይስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ትራምፕ ንተግባርት ደገፍቱ ኣብ ክንዲ ምኹናን ንምምጓስ ፈይስቡክ ብምጥቃሙ- ካልእ ጎንጺ ከይትኹትኽ ብዝብል ኣልጊስናዮ ኣለና ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ`ዩ።

ትዊተር`ውን ንካልኦት ንጎንጺ ከይምስጥ ብዝብል ንትራምፕ ንሓዋሩ ኣውጺእዎ`ዩ- ።

XS
SM
MD
LG