ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕ/ሃ 'ሓይልታት ኤርትራ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢሎም የጥምዩ ኣለው' ኢሎም


ሓይልታት ኤርትራ ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ትግራይ የጥምዩዎ ኣለው ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ከሲሶም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ሓላፊ ማርክ ሎውኮክ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ወታሃደራት ኤርትራን ናይቲ ከባቢ ተዋጋእትን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ናብ ዝነብሩሎምን ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ወፃኢ ናብ ዝኾኑን ከባቢታት ቀረባት ከይኣትው ኮነ ኢሎም ይኽልክሉ ኣለው ኢሎም። "ብዘየማትእ መግቢ ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ’’ኢሎም።

ኣብዚ ፅሑፍ ንዝቐረቡ ክስታት ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ይኹን እምበር ናይ ኤርትራ ሚኒስትር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ቅድም ክብል ወታሃደራት ኤርትራ ረድኤት ይዓፅው ኣለው ወይ ይሰርቁ ኣለው ንዝብሉ ክስታት ጠቐነ እዩ ክብሉ መሊሲ ሂቦም ነይሮም።

ማርክ ሎውኮክ ንዝሃቡዎ ርእይቶ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ናይ ትግራይ ሃገራዊ ግብረ ሓይልን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢል ለኔ ስዩም 3 ሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለፂ ነቶም ክስታት ብምንፃግ ናይታ ሃገር ሓይልታት ምክልኻል መግቢ ከም መሳርሒ ይጥቀም ኣሎ ዝብል መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን እዩ ክትብል መሊሳ ኣላ።

XS
SM
MD
LG