ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ሊብያዊ ኮሚቴ ዓርቢ ምርጫ ምክያድ ከምዘይከአል ገሊጹ


አባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ
አባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ

ኣብ ሊቢያ ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣይክኣልን ክብል ሓደ ፓርላመንታዊ ኮሚቴ ሊቢያ ገሊፁ።

ኣቦመንበር እቲ ኮሚቴ ንናይቲ ፓርላማ ተፀዋዒ ኣብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣብዚ መደምደምታ ዝተበፅሐ ንቴክኒካዊ፣ናይ ሕግን ፀጥታን ፀብፃባት ድሕሪ ምርኣይ ምዃኑ ይሕብር።እቲ ኮሚቴ እቲ ምርጫ ዝካየደሉ ሓዱሽ ዕለት ኣይገለፀን።

ኮሚሽን ምርጫ ሊቢያ ፀኒሑ ከምዝሓበሮ እቲ ምርጫ ክሳብ 14 ጥሪ ምንውሑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ መስርሕ ብዝተፈጥረ ሓያሎ ምስሕሓባት እቲ ነዊሕ ትፅቢት ዝተገብረሉ ምርጫ ከምዝናዋሕ ተሓቢሩ'ሎ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሪፖሊ ‘’ደገፍቲ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ይፍጥሩዎ ብዘለው ወጥሪ ናብ ግጭት ናይ ምእታው ሓደጋ ክውስኽ ገይሩዎ ኣሎ’’ክብል ብዛዕባ ኩነታት ፀጥታ ስኽፍትታት ምህላው ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG