ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ውግእ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ክልል ትግራይን  


ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ህወሓትን ካልኣይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ። ብሰንኪ’ቲ ግጭት ኣስታት 8000 ኢትዮጵያዊያን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ኣትዮም ኣለው፣ ትካላት ረድኤት ብወገነን ኣብዘን ዝቅጽላ መዓልታት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ይጽበያ ኣለዋ።

ዳይረክተር ፕሮግራም ዓለምለኸ ቅልውላው (International Crisis Group) ኮምፎርት ኢሮ "ኣብዚ እዋን’ዚ ንሪኦ ዘለና ተወሳኺ ውግኣት እዩ። ክልቲኦም ሓይልታት ዕርዶም እዮም ዘሐይሉ ዘለው። ሰራዊት ክልል ትግራይ ዋላ’ውን እንተተደፍአን እንተሳሓበን፣ ናብ ውግእ መኸተን፣ ውግእ ጉሪላን እዩ ዝሰግር። ተጋሩ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር አዲስ አበባ ዝኣትውሉ ኩነታት ኣይራኣየናን። ዝተናወሐ ውግእ ከምዝህሉ እዩ ገምጋምና’ ኢላ።

አብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢታት ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝርከብ ሓበሬታ ዝተወሰነ እዩ። መንግስቲ ንኢንተርኔት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ስለዘቋረጸ፣ ኩነታት ሰብኣዊ ጠለባት ንምግምጋም ኣይተካእለን።

ቶማስ መርፍይ፣ ኣብ ሪስክ አድቫይሰርይ ግሩፕ ተንታኒ ስለያዊ ምዕባለታት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ እዩ። ንሱ "መንግስቲ ንተዋጋእቲ ትግራይ ዘይምስዓሩ፣ ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ጸገም ክፈጥር’ዩ’ ድሕሪ ምባል"ሰራዊት መንግስቲ ንህወሓት ክስዕር እንተዘይኪኢሉ፣ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምፍጻም ዕድል ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ካብ’ቶም ምስ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዎምን ጸለውቲ ዝነበሩን ኣባላት ሰራዊት እዩ ዕልዋ ክፍጸም ዝኽእል"ኢሉ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዛዘም፣ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ናጻ ድሕሪ ምውጽኡን ሓድሽ ምምሕዳር ምስ ዝትከለሉን ጥራሕ እዩ ምባሉ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓደጋ ውግእ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ክልል ትግራይን
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:00 0:00



ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG