ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢኳዶር:ጃፓን:ሞዛምቢክን ስዊዘርላንድን ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ብምዃን ስርሐን ጀሚረን


ፋይል
ፋይል

ኢኳዶር:ጃፓን:ሞዛምቢክን ስዊዘርላንድን ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ትማሊ ሰሉስ ስርሐን ጀሚረን።ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ መንበረን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ብዘይተቓውሞ ምዕዋተን ይዝከር።

ኣምባሳደራት ሓሙሽቴን ሃገራት ባንዴራታት ሃገሮም ኣብ ጎኒ ባንዴራትታ ካልኦት ኣባል ሃገራት ትማሊ ሰሉስ ተኺሎም ኣለው።

ሃገራት ኣብቲ ቤት ምኽሪ ወንበር ንምሓዝ ንዓመታት እየን ወፍሪ ዘካይዳ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ካብ ዝምስረት 1946 ኣትሒዙ ገለ 60 ሃገራት ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ኮይነን ኣይፈልጣን።

በዘን ሓደሽቲ ኣባላት ዝተተክኣ ህንዲ:ኣየርላንድ:ኬንያ:ሜክሲኮን ኖርወይን እየን።

XS
SM
MD
LG