መቐለ —
ኣብ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብኣባ ገብረመድህን በርሀ ተደሪሰን ዝተኣልያ ክልተ መንፈሳውያን ፊልምታት ንምርኢት ቀሪበን ነይረን።
ኣብ በበይኑ ስራሓት ስነ-ጥበብ ንነዊሕ ዓመታት ዝነጠፉ ኣባ ገብረመድህን፡ እዘን መንፈሳውያን ፊልምታት ነቲ ተሃይስዩ ዘሎ መንፈስ ህዝቢ ኣብ ምብርታዕ ተስፋ ከም ዘለወን ይገልጹ።