ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ፈጺሞም ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ከሲሱ


ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሰሜናዊ ሲናይ ፈጺሞም ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።

ወታሃደራዊ ሓይልታትን ፖሊስ ግብጺን ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ፈጺሞም ክብል ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ገለ ካብቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዓመጽ ምስ ገበናት ኩናት ክቁጸር ከምዝክእል’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ሪፖርት ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ኣንጻር ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ዝንቀሳቀሱ እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ነበርቲ’ቲ ዞባ ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈጺሞም ክብል ይኸስስ።

እቲ ሪፖርት ገለ ኣብቲ ቦታ ተፈጺሞም ዝበሎም ዓመጻት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መቕተልቲ፡ስቅያት፡ ብዘይፍቓድ ካብ መንበሪ ቦታ ምስጓግን ብሓፈሻ ምቕጻዕን ዝብሉ ይርከብዎም። ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ነዚ ዓመጽ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ሚሊሻ ኣብቲ ዞባ ምውፋሮም’ውን እቲ ሪፖርት ይሕብር።

እቲ ትካል ኣስታት 50 ጉዳያት ናይ ሃውሪ ማእሰርቲ ከምዝረኣየን 39 ካብኦም ሃለዋት እቶም ውልቀሰባት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ይገልጽ። ብተወሳኺ ደቂ 12 ዓመት ህጻናት ዝሳቀየሉ መዳጎኒ ቦታታት ከምዝነበረ ካብ መሰካክር ሓበሬታ ምርካቡ ይሕብር።

ሰበ ስልጣን ግብጺ ግን ነቲ ሪፖርት ይነጽጉ።

እቲ ብዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቀስ አካል ዳዒሽ ዝኾኑ ጥሩፋ ጉጅለ እውን ጭውያን መቕተልቲን ይፍጽም ከምዝነበረ ሓበሬታ ምርካቡ ይገልጽ።

ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሲናይ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ 2013 ምስ ምውዳቕ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ መንግስቲ ግብጺ ቀይሕ መስቀል ናብቲ ቦታ ክኣትው ከፍቕድን ክሳብ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸሙ ዓመጻት ብምርመራ ደው ምባሎም ዝረጋገጹ ንመንግስቲ ግብጺ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ክብል ይጽውዕ።

XS
SM
MD
LG