ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ምስ ስልፈኛታት ጸረ መንግስቲ ተጋጭዮም


ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢራን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ተሰለፍቲ ንምብታን ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ተኩሶም ኔሮም ።

መበገሲ`ቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ናህሪ ዋጋ መግቢ ምዃኑ`ዩ ዝንገር። መንግስቲ ኣብ መግቢ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምጉዳሉ፡ ዋጋ ሕሩጭ ብ 300% ከም ዝወሰኸ ዝንገረላ ኢራን፡ እቲ ተቓውሞ ናብ ፖለቲካ ተቐይሩ፡ሰልፈኛታት ኢስላማዊ ሪፓብሊክ የብቅዕ ዝብል ጻውዒት የስምዑ ኔሮም።

ሮይተርስ ከረጋግጾ ዘይክኣለ ስእልታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ከምዝቖሰሉን የርኢ ኔሩ። ሮይተርስ ግን ንሓቅነቱ ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ከም ጸብጻብ ሚድያ ኢራን ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ኢራን፡ ዘይሕጋዊ ምትእኽኻባት ከምዘይጻወርዎን ስጉምቲ ከምዝውሰዶን ኣጠንቂቑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG