ዋሽንግተን —
ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ጽባሕ ረቡዕ ቅድሚ ምክያዱ፣ ኣብ ካምፓላ ሓለዋ ሓይሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ምሕያል ሓለዋ ሓይልታት ጸጥታ፣ ኣብ ዙርያ መንበሪ መራሒ ተቃወምቲ’ታ ሃገር ዝኾነ ባቢ ዋይን’ውን ከምዘጠቃልል ተሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ጎደናታት ካምፓላ ኣጋር ሰራዊት ከምዝራኣይ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ነዋሕቲ ህንጻታት፣ ስናይፐርን መትረየሳትን፣ ከምኡውን ኣብ ጎደናታት ድሩዓት መካይንን ንህውከት ዝብትኑ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተዋፈሩ ካብ ካምፖላ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።
ኣብ’ቲ ናይ ጽባሕ ስነ ስርዓት ፕረዚደንታዊ መሓላ፣ ብውሑድ ፕረዚደንታት ኣርባዕተ ሃገራት ከምኡ'ውን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝተዓደሙ 4,000 ኣጋይሽ ከምዝርከቡ ተገሊጹ።