ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣቡጃ ንዘምለጡ ንምርካብ ፈተሸኦም ቀጺሎም ኣለው


ሓይልታት ፀጥታ ናይጀሪያ ሰሉስ ኣብ ኣቡጃ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ንዘምለጡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ንምሓዝ ፈተሸኦም ቀፂሎም ኣለው።ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ ሙሓማዱ ቡሓሪ ኣገልግሎት ስለያ ነቲ ምስባር ቤት ማእሰርቲ ብዘይምክልኻሉ ነቒፎም ኣለው።

ነቐፍቲ ግን ድሕሪ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምፅንሖም ናይታ ሃገር ፀጥታ ከረጋግፁ ኣይክኣሉን ክብሉ መሊሶም ንቡሓሪ ይነቕፉዎም።

ጉጅለታት ፀጥታን ሰበስልጣን ቤት ማእሰርትን ነቶም ዝጠፍኡ እሱራት ንምሓዝ ትማሊ ሓሙስ እውን ኣብ መላእ ኣቡጃ ተበቲኖም ክደልዩ ውዒሎም ኣለው።

64 ብዝለዓለ ደረጃ ዝድለዩ ጥርጡራት ቦኮ ሓራም ሓዊሱ ካብ ዘምለጡ 900 እሱራት 436 ተታሒዞም ኣለው።

ነበርቲ ኣቡጃ ቅድም ክብል የስተማቕሩዎ ዝነበሩ ሰላም እዞም እሱራት ብምምላጦም ሕጂ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG