ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተአኻከቡ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም መሰኻክር ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ጥቓ ቤት መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኾሱን ካልኦት ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ አባላት ጸጥታ ድማ ንኣስታት 30 ዝኾኑ ሰልፈኛታት ከምዝከበብዎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ድማ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣክቲቪስት ከሳጉጉ ከምዝተራእዩ ተሓቢሩ’ሎ።

ሰልፈኛታት “ ሰላም ፡ሰላም ኣንጻር ሰረቕቲ”ን ፕረዚደንት ዑመት ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልቡ ጭርሖታት ምስምዖም’ውን ተገሊጹ።እቶም ብፖሊስ ዝተካበቡ ሰልፈኛታት መብዛሕትኦም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክኮኑ ከለው ብመኪና ተጻዒኖም ከምዝኸዱ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ወሲኾም አረዲኦም።

ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ዝምልከት ካብ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ግብረ መልሲ ክርከብ ከምዘይተኸለ ሮይተርስ ገሊጹ።

አባላት ዝተፈላለዩ ማህበራት፡ተማሃሮ፡ ተቓወምቲን ኣክቲቪስትን ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ናህሪ ዋጋታት ብምቕዋም ታሕሳስ 19,2018 ዝጀመርዎ ተቓውሞ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ክሳብ ሕጂ መዓልታዊ ይቕጽል ምህላው ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ኮነ ገዛኢ ፓርቲ ሃገራዊ ባይቶ ንጠለብ ህዝቢ ንምምላእ ስጉምቲ ክወስዱ ኣይተራእዩን ብኣንጻሩ ነቲ ተቓውሞን ዘይምርግጋእን ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት’ዩ ክብሉ ይወቕሱ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ፕረዚደንት ኣልበሽር ኮነ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ዕርቓዊ ቃላት ክጥቐሙን ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝተአሰሩ ክፍትሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለው።

ተሓለቕቲ መሰላት’ታ ሃገር ግን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ከምዘለው ይገልጹ።

ምስ ማሕበር ሓካይም’ታ ሃገር ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ተቓወምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 57 ሰባት ምሟቶም ክገልጽ ከሎ መንግስቲ ግን ኣብ እዋን ተቓውሞ ቑጽሪ ዝሞቱ ንክልተ አባላት ጸጥታ ሓዊሱ 31 ምኳኑ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንዝያዳ ሕጽረት ባኒ፡ነዳዲን ገንዘብን ከምዝሰዓበ ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG