ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ክልል ትግራይ ንኮረምን አላማጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ምእታዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

'ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ' ኢሎም ዝሰየሙዎ ወታሃደራዊት ስርሒት ስዒቡ ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ትግራይ "ወፍሪ ኣዴታት ትግራይ" ብዝብል ብሓይልታት ትግራይ ዝተሰየመ ወፍሪ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ብምምላስ ንኮረምን ኣላማጣን ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ምእታዎም ኣማኻሪ ክልላዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ካብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ብሳተላይት ስልኪ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት " እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ከተሓሕዝዎ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ምዕማፅ ህፃናት ምስ ምቕታል ኣዴታትን ፀላኢ ሃገር ዓዲምካ ዓዲ ምስ ምውራር ፣ንብረት ምስ ምዝራፍ ዝተሓሓዝ ክብሪ የብሉን" ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG