ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኣኽበርቲ ፀጥታ ኣሜሪካ ኣብ ድሮ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ይዋፈሩ


ስነ ስርዓት ቃለ መሓለ ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብሰላም ንኽፍፀም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓይልታት ኣኽበርቲ ፀጥታን ሰበስልጣናት መንግስቲን ስጡም ዝኾነ ሓለዋ ፀጥታ ክህሉ ይሰርሑ ኣለዉ ።

እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁፀሩ ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዘብፅሕዎ ሓደጋን ዝሕቱል ግብረ መልሲ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሕግን ንኸይድገም ብምባል እዩ ።

ስነ ስርዓት ቃለ መሓለ ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝፍፀመሉ ጥሪ 20,2021 ብዝተኻእለ መጠን ከምቲ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ብደገፍቲ ትራምፕ ዝተፈጥረ ደም ዘፋሰሰ ናዕቢ ንኸይድገም ልዕል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ።ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ድማ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቁፀሩ ካብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝተኣኻኸቡ ሰራዊት ሃገራዊ ምክልኻል ኣብ ዋሽንግቶን ክኣትዉ እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG