ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምውጽኦም ወሃቢ ቃል'ቲ ክልል ገሊጾም


ከተማ ሰመራ - ዓፋር ክልል

ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ’ቲ ንኣዋርሕ ተቆጻጺሮምዎ ዝነበረ ከባቢታት ክልል ዓፋር ከምዝሳሓቡ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንወሃብ-ቃል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምስሓቦም ጸብጺቡ።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ሓሪፍ ብወገኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ’ውን ሓይልታት ትግራይ፣ እንትርፊ ካብ ሰለስተ ወረዳታት፣ ካብ ካልእ ቦታታት እቲ ክልል ምልቃቖም ኣመልኪቱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ "ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀሩዎም ከባቢታት ዓፋር ኣይወፁን" ኢሎም።

ሓይልታት ህወሓት እናበሉ ንዝገለጽዎም ሓይልታት ትግራይ፣ "ብዝተዛብዐ ሓበሬታ፣ ንቐልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ይፅዕሩ ኣለው" ዝበሉ ዶክተር ለገሰ፣ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝግባእ ንክባጻሕ ናብ ክልል ዓፋር ዘሊቖም ዝኣተው ዕጡቓት ሓይልታት፣ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ከባቢ ንክወፁ ፀዊዕም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG