ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሓይልታት ትግራይ' ኣብ ዳባት ፈጺሞምዎ ንዝተባህለ ቕትለት ይነጽጉ


ዳባት
ዳባት

ዕጡቃት ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ንክልተ መዓልታት ዝተካየደ ውግእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሪፖርት ነጺጎምዎ።

ትካል ዜና ሮይተርስ ትማሊ አብ ዝፈነዎ ዜና " ክልላዊ ሰበ ስልጣን፣ ቅድሚ አስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተካየደ ውግእ፣ 120 ሰላማዊያን ሰባት ተቀቲሎም" ከምዝበሉ ይሕብር። ንሮይተርስ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ "ካብ ዳባት 10 ኪ/ሜ ርሒቁ ኣብ ዘሎ ስፍራ ናይ ሓረስቶት ዝመስል ኣስከሬናት ከምዝረኸቡ" ይሕብሩ።

አስዒቡ መግለጺ ዝሃበ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ሓበሬታ ‘ዝተፈብረኸ ክሲ’ ክብል ነጺግዎ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ "ተፈጺሞም ዝባሃሉ ኩሎም ዓይነታት ግፍዒ ብነጻ ኣካል ንክጻረዩ ንጽውዕ ኣለና፣ ሚድያታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ናብ ዘለው ከባቢታት ኣትዮም ሓበሬታ ንክዝርግሑ ክንሕግዝ ኢና" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG