ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዋጃን አላማጣን ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ሕጽረት መግቢ ምግጣሙ ተሓቢሩ


ካብ ዋጃን አላማጣን ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽምዎ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ኣብ መዓስከር ቆቦ ዝሰፈሩ ሰባት፣ ከቢድ ሕጽረት መግቢን አልባሳትን ከምዘጋጠሞም ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ ቀበሌ ዋጃን ጥሙጋን ኣቶ ያሬድ አድማሱ ብወገኖም ሓይልታት ትግራይ ብሰንኪ ፈጺሞምዎ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ብዝሒ ዝተፈናቀሉ ሰባት፣ ልዕሊ 12 ሽሕ ከምዝኾኑ ጠቂሶም።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ዝበሎ ‘ሓይሊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ’ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ከምዝኸፈቱ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዋጃን ጥሙጋን ኣውሪዶምዎ ዝተባሃለ መጥቓዕቲ ኣማእኪሉ ክልል ትግራይ ዝሃቦ መግለጺ ዛጊት የለን ።

XS
SM
MD
LG