ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ወልድያ ከምዘይተቆጻጸርዋ ገሊጾም


ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ወልዲያ ከምዘይተቖፃፀሩዋ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ገሊፁ።ህወሓት ናብ ከተማ ወልዲያ ኣትዩ ክብላ ገለ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ትማሊ ሰንበት ምሸት ፀብፂበን ነይረን።ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን እቲ ግምት ተዘርጊሑ ነይሩ። ወኪል ህወሓት ሎሚ ሰኑይ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ሓይልታት ትግራይ 'ገና' ናብታ ከተማ ኣይኣተውን ኢሉ።

ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ እቲ ከም ብሓዱሽ ዝተውልዐ ኵናት ኣብ ዙሪያ ቆቦ ዘተኮረ እዩ ይብል ።

ወልዲያ ካብ ኣዲስ ኣበባ 300 ኪ.ሜ ናብ መቐለ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ስትራቴጂካዊ ቦታ እትርከብ ከተማ እያ።ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣንፈት ደቡብ ንፌደራል መንግስቲ ደወል ሓደጋ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህወሓት ንከተማ ደሴ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 200 ኪሎ ሜትሪ ቀሪቡ ነይሩ።ክልቲኦም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ብምፍራስ ውግእ መን ጀመረ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ መዋእለ ህጻናት ብምህራሙ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ተፀብፂቡ እዩ።

መንግስቲ: ህወሓት ናይ ፈጠራ ስእሊ ዘርጊሑ ክብል ከሲሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG