ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ብወገን ሰሜን ወሎ ተቖፃፂሮምዎ ካብ ዝፀንሑ ከባቢታት ምውፅኦም ገሊፆም


ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ዘሎ ኲናት በላዕለዋይነት ዝመርሕ ዘሎ 'ማእከላይ ኮማንድ' ዝተባህለ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ምስሓቡ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ከም ዝብሎ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ቦታት ንምቍጽጻር መደብ ጸኒሑዎ ዘይኰነስ ነቲ ዝወርድ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሕጂ ግን ስትራቴጂካዊ ናይ ቦታ ምቅይያር ምግባሩ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ሰራዊቱ ብዘይውግእ ቦታ ከም ዝለቐቐ ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣድላይ ምስ ዝኸውን’ውን ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ይጠቅስ።

እቲ ብማእከላይ ኮማንድ ዝወጽአ ጽሑፍ ዝተለቐቑ ቦታታት ብስሞም ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ኣባል እቲ መሪሕነትን ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ከም ዘስፈሮ እቶም ቦታታት ሰሜን ወሎ ምዃኖም ጠቒሱ ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ዳሕራይ ምዕባለታት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ መግለጺ ዛጊት ኣይረኸብናን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር ተኽእሎታት ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ በበይኖም ኣካላት ንምዝርራብ ካብ ሎሚ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዕላማ እቲ ፍሉይ ልኡኽ--ብሕልፊ ኣብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ዘተ ሰላም ንምፍታሽ ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ላዕለዎት መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክራኸብ ተመዲቡ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ኣንጻላልዩ ብዛዕባ ዘሎ ደርቂን ንኣገዳስነት ተሓታትነት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭትን ኣመልኪቱ’ውን ክዘራረብ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG