ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ሩስያ ንስትራተጂካዊት ወደባዊት ከተማ ኪርሶን ተቆጻጺሮም


ከተማ ኪርሶን
ከተማ ኪርሶን

ሓይልታት ሩስያ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበል ዘገደደ ደብዳብ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዩክሬን ኣብ ዝቀጸልሉ ሎሚ ሓሙስ ንናይ ዩክሬን ስትራተጂካዊት ወደባዊት ከተማ ኪርሶን ተቆጻጺሮም'ለዉ።


ሰበ ስልጣን ከባቢያዊ መንግስቲን ሰራዊት ሩስያን ንምትሓዝ ኪርሶን አረጋጊጾምእለዉ። ወደባዊት ከተማ ኪርሶን ሰሙን ኣብ ዝገበረ ወራር ሩስያ ፈላመይቲ ብሩስያ ትተሓዝ ዘላ ከተማ ዩክሬን እያ ኮይና ንመዓልታት ኣብ ኢድ መን ከም ዘላ ንጹር ኣይነበረን።


ሩስያ ቀልጢፋ ንርእሰ ከተማ ዩክሬን ንምሓዝ ዝገበረቶ ፈተነ ዝደስከለ ይመስል፤ ግን ብሰራዊታ ከም ኣካልእቲ ንዩክሬን ካብ ባሕርታት ጸሊምን ኦዞቭን ንምብታኽ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ደቡብእታ ሃገረ ጭቡጥ ዓወታት ረኺቦምእለዉ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ካርከቭ ፥ቻርኒሃቭን ፥ሜሪፖልን መጥቃዕታት እንተገበረትእዃ ኩለን ኣብ ኢድ ዩክሬን ከም ዘለዋ ሚንስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ገሊጹ'ሎ።


ወታሃደራት ሩስያ ካብ ኪርሶን ንምብራቅ ሸነኽ ትርከብ ንከተማ ሜሪዮፖል ከቢቦማ ከምዘለዉ ኸንቲባእታ ከተማ ገሊጾም'ለዉ።


ሚንስተር ምክልኻል ዩክሬን ኦሊኪሲ ረንዚኮቭ ሩስያ ንዩክሬን ቀልጢፋ ከትሕዛያ ዝብል ርእይቶ እዩ ኔሩ ኣብ ሩስያ ኾነ ሃገራት ምዕራብ ሰሙን ክንጸንሕ ኢሉ ዝተጸበየ ኣይነበረን ብድሆታት'ኳ እንተሃለዉና ንዩክሬን ርእሰ ተኣማንነት ክህልወና ምኽንያት ኣለዋ ክብሉ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጾም ጺሒፎም'ለዉ።


ብዙሕ ዕዉት'ኳ እንተዘይኮነ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቤላሩስ ካልኣይ ዙር ልዝብ ሎሚ ሓሙስ የካይዱ'ለዉ። ዩክሬን ተኹሲ ምቁራጽ ክግበርን ንዜጋታታ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽጽበሖም መንገድታት ምኽፋትን ክግበር ከምትጽውዕ ኣፍሊጣ'ላ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭርቭ ሎሚ ሓሙስ ንሪፖርተራት ከም ዝብልዎ ሩስያ ንዩክሬን ወታሃደራዊ ስግኣት ከምዘይትኸውን ንምግባር ንሰራዊት ትሕተ ቅርጽታት ዩክሬን ምዕናዋ ክትቕጽል'ያ ኢሎም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኸኣ ነቲ ኩነታት ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንምንዳይ ቅርብቲ'ያ ግን ፈለማ ሩስያ ጎንጺ ክተህድእ ኣለዋ ኢሎም።


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ሩስያ ንዩክሬን ካብ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነጻ ክትኸው ዝከኣላ ከምትገብር ነጊሮሞም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG