ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ምክልኻል ናብ ከተማታት ሻኪሶን ለገደምቢን ምእታዎም ነበርቲ ገሊጾም


ሎም ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ሻኪሶን ለገደምቢን ብዝነበረ ውጥረት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝኣተው ነበርቲ ገሊፆም።ኣብ ኣዶላ ዋዮ ቅድሚ ትማሊ ዝተቐትለ ዓርኮም ንምቕባር ይኸዱ ንዝነበሩ ዘወርቲ ባጃጅ ተቀጥቂጦም ዝብሉ ወገናት’ውን ተሰሚዖም’ለው።

ኣብ ከባቢ ሻኪሶን ለገደምቢን ዘሎ ኩነታት ሎሚ ህድእ ዝበለ እንተመሰለ’ኳ ወታሃደራት ኣብተን ከተማታት ምርኣዮም ግን ኣብ ነበርቲ’ቲ ዞባ ጸቕጢ ምሕዳሩ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራርቦም ነበርቲ ይገልጹ።

ሎሚ ዝተአሰረ ሰበ ከምዘየለ ዝገለጸት ሓንቲ ነባሪት’ቲ ከባቢ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ነቲ ኩነታት ኣብቲ ቦታ ብምዃድ ክዕዘብ ብምጽዋዕ ነቲ ዜጋታት ዝሞቱሉን ዝቆስሉሉን ዘለው ኩነታት ስቅ ኢሉ ይዕዘብ ኣሎ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG