ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ሓድሽ ናይ ኹናት ገበን ፈጺሞም ክብል ኣምንስቲ ከሲሱ


ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ሓድሽ ናይ ኹናት ገበን ፈጺሞም ክብል ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳንን ምስኦም ዝተሓባበሩ ሚሊሻን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዓድታት ዞባ ዳርፉር ምዕናዎም ይሕብር።

“ብሳተላይት ዝተወስዱ ጭብጥታትን ምስክርነት ዝተፈላለዩ ወገናትን ሓይልታት መንግስቲ ሱዳንን ምስኦም ዝተሓባበሩ ሚሊሻን ካብ ሓምለ 2018 ክሳብ የካቲት 2019 ኣስታት 45 ዓድታት ጀበል ማራ ዞባ ዳርፉር ምዕናዎም ኣረጋጊጽና ኣለና” ክብል ጸብጻብ ኣምንስቲ ይሕብር።

ኣምንስቲ ብተወሳኺ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ቕትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምዝንባል ሰባትን ንብረት ምዝማትን ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ይኸስስ።

ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ወሃቢ ሓይሊ ሱዳን ሓደ ካብቲ ነዚ ገበናት ዝፈጸሙ ሓይልታት ምዃኑ ኣምንስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሪፖርት ይገልጽ። እዚ ሓይሊ ኣብ ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝወሰዶ ግብረ መልሲ'ውን ይክሰስ።

ግጭት ዞባ ዳርፉር ኣብ 2003 ንዓረባዊ መሪሕነት ሱዳን ብዝቓወሙ ጸለምቲ ኣፍሪቃዊያን ጉጅለታት ዝጀምረ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ነቲ ተቓውሞ ጃንጃዊድ ዝተባህሉ ዕጡቓት ሚሊሻ ናብቲ ቦታ ብምውፋር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይቲ ዞባ ዓድታት ኣንዲዶም።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ግጭት 300,000 ሰባት ምሟቶምን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብሮም ምዝንባሎምን ይገልጽ። ስለዝኾነ ድማ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብሓሙሽተ ክስታት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ይድለዩ።

ኣምንስቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን ናይ ሕቡራት ሃገራትን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዳርፉር ኣብቲ ዞባ ክህልው ይጽውዕ።

XS
SM
MD
LG