ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ህወሓት ኣብ ታሪኻዊን ናይ ቱሪዝምን ቦታታት ከተማ ደሴ ዕንወትን ዝምታን ምፍጻሞም ተገሊጹ


ከተማ ደሴ
ከተማ ደሴ

ሓይልታት ህወሓት ንኸተማ ደሴ ተቆጻጺሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብታ ኸተማ ዝርከቡ ታሪኻዊን መሰሕብ ቱሪስትን ዝኾኑ ቦታታት ዓብይ ዕንወትን ዝምታን ፈጺሞም ክብል ናይ ከተማ ደሴ መምርሒ ባህልን ቱሪዝምን ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ ኣብ ቤተመዘክር ደሴ ዝርከብ መንፈሳዊ ታሪኻውን ባህላዉን ተንቀሳቀስቲ ሓድግታት ከምዝተዘመቱ: ብኹዕታ ዝተረኽቡ ጥንታዊ ናይ መገልገሊ ናውትን ድማ ምዕናዎም እቲ ቤት ዕዮ ገሊጹ'ሎ።

ኣቶ ሰይድ ኣራጋው ሓላፊ መምርሒ ቱሪዝምን ስፖርትን ደሴ ከምዝበልዎ ናይ ወሎ ኣምሓራን ኢትዮጵያ ታሪኽ ሒዙ ዝነበረ ዝበልዎ ቤተመዘክር ደሴ ብሓይልታት ሕወሓት ተዘሚቱ ካብ ጠቅሚ ወጻኢ ኾይኑ፤ ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ሓለዋ 26፡ ካሜራታት ምስ መግጠሚ ኡ ተወሲዱ ኢሎም።

ሓይልታት ህወሓት ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኾነ ዕንወት ንብረት ንዝቀርቦም ክስታት ኣሉታ ክህቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG