ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ህንዲን ቻይናን ኣብ ዶብ እተን ሃገራት ምግጫዎም ተገሊጹ


ህንዲ ሓይልታታ ምስ ቻይና ኣብ ዘሰሓሕበን ዶብ ምስ ወታሃደራት ቻይና ዝሓለፈ ሰሙን ምርፃሞም ኣፍሊጣ።

እዚ ዳሕረዋይ ግጭት ኣብ መንጎ ህንድን ቤጂንግን ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ እዩ።ኣብ 2020 ግጭት ተኻይዱ 20 ወታሃደራት ህንድን ኣርባዕተ ወታደራት ቻይናን ተቐቲሎም።እቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ህንዲ ኣብ እትቖፃፀሮን ቤይጂንግ ይግብኣኒ ኣብ እትብሎን ቦታ እዩ።

እቲ ሰራዊት ዝርዝር ሓበሬታ ናይቲ ግጭት ኣይሃበን።ጋዜጣ ኢንዲያን ኤክስፕረስ "ንሒደት ስዓታት ብዕንጨይትን በትርን ኢድ ብኢድ ተጋጢሞም’’ ክትብል ንምንጭታት ብምጥቃስ ፀብፂባ።

እቲ ግጭት ዝተኻየደ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ሳብራህማንያም ጀይሻንካር ቻይና ነቲ ዶባ ንምቕያር እትወስዶ ስጉምቲ ህንዲ ፈፂማ ኣይትቐብሎን ኢሎም ድሕሪ ምግላፆም ድሕሪ ኽልተ መዓልታት እዩ።

XS
SM
MD
LG