ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሓይሊ ጸላኢ ናትና ሕምቀት’ዩ' ቀ/ሚኒስተር ኣቢይ


ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ዓበይቲ መስመራት ብሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ናጽነት ኦሮሞን ከም ዝተታሕዘ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣሸበርቲ ዝብሎ ጸላእቲ ንምክልኻል ኵሉ ዜጋ ጻዕሩ ዕጽፊ ክገብር ጸዊዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ’ውን ይውስኽ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘአንፍት ዘሎ ኲናት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ዓመት ኣብ ዝመልኣሉን ህይወት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝቐዝፈሉን እዋን’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝገበሩዎ ህዝባዊ ጻውዒት፡ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነት ቢልለኔ ስዩም፡ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ተሓቲታ፡ “እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበሉዎ እቲ ክዉን’ዩ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ንሱ ስለ ዝዀነ፡” ክትብል መሊሳ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብሰንበት ኣብ ዝሃቡዎ ናይ ክተት ጻውዒት ቃል፡ ሰራዊቶም ብኣርባዕተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ “ናይ ጸላኢና ቀንዲ ሓይሊ፡ ናትና ሕምቀትን ዘይምድላውን’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ንተወላዶ ትግራይ ብፍሉይ ዘተኰረ ጃምላዊ ግፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተራእየ ተፈሊጡ ኣሎ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍ ኣመልኪቱ፡ “እቶም መንግስቲ ተዳኺሙ’ዩ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ይመጹ ኣለዉ ኢሎም ዝኣምኑ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ገሊኣቶም እሞ እንኮላይ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ከይዶም’ዮም ጸንቢሎም። መንግስቲ ከኣ ነዚ ኣመልኪቱ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ፡” ክብል ገሊጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ደኣ ነቲ ዜና ይንጸጎ እምበር፡ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘለዋ ሓይልታት ትግራይ ይገልጹ።

ወሃብ ቃል ለገሰ ቱሉ ድማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኮምቦልቻ 100 መንእሰያት ከም ዝቐተሉ ይኸስስ።

ኣመሪካ: ሓይልታት ትግራይ ብዝገበሩዎ ዘለዉ ምቍጽጻር ከተማታት ስክፍታኣ ትገልጽ ኣላ። ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ መንግስቶም ብምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝሰንበደ ድሕሪ ምግላጾም፡ ምንዋሕ እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዋል ዘጋድድ’ዩ ኢሎም። ንሶም ኣስዒቦም ኵላቶም ኣካላት ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣቋሪጾም ናብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘተ ክኣትዉ ጸዊዖም።

ይዅን እምበር፡ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ትግራይ ዝዀኑ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-ምልልስ ምስ መንግስቲ ዘተ ክግበሩ ድሉዋት ዘይምዃኖም ምምልካቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ሓይልታት ትግራይ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተላፊኖም ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ይገብሩ ምህላዎም’ውን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ብኣገላልጻ ሓይልታት ትግራይ እቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኲናት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተስገዲዱ ዘሎ መሸንቆቓን ምዕጻው መገድታትን ኣፍደገ ንምኽፋት’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ኵሉ ዓቕሚ መንግስቲ ናብቲ ኲናት ክቐንዕን ካልእ ንጥፈታት ክውንዘፍን ሓቢሮም ኣለዉ። ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ምሸት ኣብ ከተማታት ዝገበር ምንቅስቓሳት’ውን ደው ክብል ትእዛዝ ከም ዝሓለፈ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG