ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይሊ ኣየር ኢንዶኖዥያ ናይ በረራ ክልል ጥሒሳ ንዝበላ ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ሲንጋፖር ክትዓርፍ ምግዳዱ ሓቢሩ


ፋይል

ክልተ F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኹናት ኢንዶኖዥያ ናብ በረራ ክልል ብዘይፍቓድ ኣትያ ንዝበልዋ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ሎሚ ሶኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ባታም ሲንጋፖር ክትዓርፍ ምግዳዱ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር ኢንዶኖዥያ ማርሻል ኖቭያንሳምዮጋ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እታ ቦይንግ 777 ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ መዓርፎ ነፋርቲ ባታም ሲንጋፖር ክትዓርፍ ካብ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ፍቓድ ምርኻባ ገሊጾም።

እታ ነፋሪት ካብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ናብ ሆንጎ ኮንግ ተምርሕ ምንባራ ኣዛዚ መዓርፎ ነፈርቲ ባታም ሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ዘይተመደብ ህጹጽ በረራ ክትገብር ዝኸኣለት ሓደ ሞተር ነፋሪት ንጽገና ኣብ ሲንጋፖር ክተውርድ ስለዝነበራ`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።

ሰበ ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኢሜል ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ "እታ ነፋሪት ብመሰረት ስምምዕ ቺካኮ ለምለኸ ትካል ሲቪል ኣቭየሽን ዓንቀጽ 5 ኣቐዲሙ ዘይተመደበ በረራ ብመንገዲ ናይ በረራ ክልል ፈታዊ ሃገር ክትሓልፍ ትኽእል'ያ" ይብል።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ንመንገዲ ኣየር ኢንዶኖዥያ ከምዝሓብርዎም አባላት'ታ ነፋሪት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን በረራኦም ከምዝቕጽሉን ሓቢሩ'ሎ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ - ምዕላው ናይ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፡ ንጂኦ-ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG