ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓውልቲ ቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪቑ፡ተኸፊቱ


ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተሰርሓ ሃውልቲ ትማሊ ተመሪቑ፡ተኸፊቱ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ንመበል 32 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ቀጽሪ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ስድራ’ቶም ሃጸይ ሃይለስላሴን ተረኺቦን ኔሮም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ድሕሪ’ቲ ምረቃ ሓውልቲ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ’ቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓደ ወገን ናይ ኩዋማ ንኩሩማ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ሃውልቲ ይረአ’ሎ። ናይዞም መስረቲ አቦታት ሕብረት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ንሰናይ ስራሕ ከነቃቃሓናን ንኣፍሪቃ ክሕሉ እምነ” ኢሎም።

እዚ ሓውልቲ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተሰርሓሎም ንምምስራት ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ዓብይ ቃልሲ ንምዝካሩ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ምረቃ ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG