ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዊ ቀ/ሚ ብሪጣንያ ካብ መዝነት ሚንስተርን አባልነት ፓርላማን ለቂቖም


ሓዊ ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሚንስተር ትምህርቲ ጆ ጆንሰን
ሓዊ ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሚንስተር ትምህርቲ ጆ ጆንሰን

ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ሓዎም ካብ መዝነት ሚንስትርን ኣባልነት ፓርላማን ከምዝወርዱ ሎሚ ሓሙስ ብምግላፆም ተወሳኺ ፈተና ገጢሙዎም ኣሎ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ጆ ጆንሰን ምኽንያት መልቀቒኦም ኣብ መንጎ ስድርኦምን ብሪጣንያን ብዘሎ ግጭት እዩ ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣፍሊጦም ኣለው።

ንሶም “ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንተኣማንነት ስድራይዶ ንሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዝብል ጉዳይ ተወጢረ ቀኒየ፤ዘይፍታሕ ወጥሪ ስለዝኾነ ናይ ፓርላማ ኣባልነተይን መዝነት ሚንስተርን ካልኦት ክሕዙዎ እዋኑ እዩ”ኢሎም።

ናይ ብሪጣንያ ፓርላማ 31 ጥቅምቲ 2019 ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወፅእ ስምምዕ እንተድኣ ዘይተፈጺሙ ሕብረት ኣውሮጳ ንኻልእ ሰለስተ ኣዋርሕ ከናውሖ መንግስቲ ንክሓትት ዘገድድ ስጉምቲ ትማሊ ረቡዕ ብድምፂ ድሕሪ ምሕላፎም ቦሪስ ጆንሰን ካልእ ዕንቅፋት ገጢሙዎ።

እዚ ጆንሶን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ ብረክሲት ዘጋጠሞም ሳልሳይ ዓብይ ስዕረት እዩ።

XS
SM
MD
LG