ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሓወቦይ ብሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሉ” ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም


ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ትማሊ ኣብ ጀነቫ፡ ንምዕባለታት ኮቪድ19 ይገልጸሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓወቦኡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ምቕታሉ ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ወሲኹ፡ እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዘላቕነት ክህሉዎ ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ምስቲ ብስሙ ዘይጠቐሶ ሓወቦኡ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 50 ዜጋታት ምቕታሎም ገሊጹ። እቲ ዳይረክተር ክህሉ ንዝኽእል ሳዕቤን ንምውጋድ ስምን ቦታን ናይቲ ቅትለት ካብ ምግላጽ ክቝጠብ ከም ዝመረጸ ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ ቃል ሚኒስተሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝገብሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG