ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓወልቲ ኣክሱም ቅልጡፍ ፅገና ተዘይተገይርሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ


ሓወልቲ ኣክሱም ቅልጡፍ ፅገና ተዘይተገይርሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ካብ ሓወልታት ኣክሱም እታ ሳልሳይቲ ዝነውሐት ሓወልቲ፤ ካብ ሮም ኢጣልያ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣትዩ ኣብ ዝትከለሉ እዋን ፀገም ኣጋጢምዎ እዩ።

ኣብቲ ሓወልቲ ንነዊሕ ጊዜ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርኪዮሎጂ ዶክተር ሕሉፍ በርሀ “እታ ሓወልቲ ህጹጽ ፅገና እንተዘይረኺባ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ” ኢሎም።

“ቅድሚ 100 ዓመታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓወልቲ ዝተኻየደ ኣርኬሎጂካዊ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ብ0.9 ዲግሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ምዝነባሉ የርኢ” ዝበሉ ዶክተር ሕሉፍ “ካብ ጣልያን ዝተመለሰት ሓወልቲ ንምትካል ኣብ ዝተገበረ ስራሓት እቲ ኩነታት ምዝንባል ናብ 0.23 ዲግሪ ክብ ከምዝበሎ” ገሊጾም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል ስልጣን መፅናዕቲን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮናስ ደስታ ብወገኖም “ሳልሰይቲ ዝነውሐት ሓወልቲ ኣክሱም ዘጋጠማ ፀገም ንምፍታሕ ንብዝሕ ዓመታት መፅናዕቲ ተኻይዱ እዩ” ኢሎም።

“ስራሓት ፅገና እታ ሓወልቲ ንምስላጥ ካብ መሰረቱ ምዕያይ ታሪክ የጥፍኦ እዩ ዝብል ኣረኣእያ በሓደ ወገን ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መሰረቱ እዩ ፀገም ይፍጠር ዘሎ እሞ ፅገና ክካየደሉ ይግባእ ዝብሉ ሓሳባት ተላዒሎም ምስ ህዝብን ሰብሞያን ዘተ ብምክያድ ርእይቶታት ተቐቢልና ኢና” ኢሎም።

እቲ ስራሓት ፅገና ንምጅማር ኣብ ሓቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ነቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ግብረ መልሲ ክህበሉ ኣድላዪ ስለዝነበረ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እቲ መፅናዕቲ ተዛዚሙ፣ ቅድሚ 10 መዓልታት ምላሽ ረኺብና አለና’ ኢሎም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ጥንታዊ መካነ መቃብርን ኣርኪዮሎጂካዊ ኳዕቲ ዝካየደሎም ቦታታት ውሕጅ ይኣትዎም ስለዘሎ ንሓደጋ ተቓሊዕም ከምዘለዉን ንምክልኻል’ቶም ሓድግታት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG