ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ምርምር ጠፈር ቻይናን ሩስያን ንሃገራት ምዕራብ ሻቕሎት ይፈጥር


ቻይናን ሩስያን፡ ንኣመሪካዊ ፍርያት ማእከል ሓበሬታን ካርታን GPS ከምኡ’ውን ናይ ኤውሮጳ ጋሊልዮን ዝወዳደር ምርምርን መሐበሪን ንምስራሕ ብሓባር ይዓያ ኣለዋ። እዘን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ወታሃደራዊ ልፍንቲ’ውን ብምግባረን ንሃገራት ምዕራብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ቻይና ንመቆጻጸሪት ህዋ ሩስያ ዝዀነት ግሎናስ ኣብ መሬታ ቦታ ክትህባ ተሰማሚዓ። ምትካል ግሎናስ ኣብ ቻይና ድማ ንሓያሎ ስለያዊን ምርምራዊን ስራሓት ሩስያ ቅርበት ዝፈጥርን ልክዕነት ሓበሬታ ዝውስኽን’ዩ። ከም ኣምሳያኡ ድማ ሩስያ፡ ንናይ ቻይና ማእከል ሓበሬታ በይዶ ከተእንግድ ተሰማሚዓ።

እዚ ክልተኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሞስኮን በይጂንግን ዘሎ ምትእማማንን ሓባራዊ ስራሕን ዘርኢ ምዃኑ ኣብ ማእከል ካርነጂ ሞስኮ፡ ዳይረክተር ፕሮግራም ኤስያ፡ፓሲፊክ ዝዀነ ኣለንክሳንደር ጋቡቭ ይጠቅስ።

ጋቡቭ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ሩስያ ምስ ምዕራብ ዘለዋ ምትፍናን፡ ከም መባድልቲን መሻርኽቲን ደጋጊማ ናብ ቻይና ተማዕዱ ኣላ። ከም ኣገላልጻ ጋቡቭ ነዘን ክልተ ሃገራት ዝያዳ ዝኣስረን’ውን ሩስያ ዘለዋ ሰፊሕ ባህርያዊ ሃብቲን ናይ ቻይና ቴክኖሎጂን ገንዘባዊ ሓይሊን’ዩ። ክልተአን ሃገራት ብምልካዊ ምምሕዳር ዝግዝኣ ከም ምዃነን መጠን ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነት ዜጋታትን ዘከራኽር ኣርእስቲ ከም ዘይብለን ጋቡቭ ይውስኽ።

ልፍንቲ ምርምር ክልተ ሃገራት ገና ኣብ ምብጋሱ ስለ ዘሎ፡ እቲ ውጽኢት ኣብ ባይታ ንኽርአ ግዜ ክወስድ’ዩ። ሩስያ ኣብ ናታ ምርምር ሳትላይት ግሎናስ ትምርኰስ ደኣ ትዅን እምበር፡ ገና ግን ካብ ናይ ኣመሪካ ጂ.ፒ.ኤስ (GPS) ምሉእ ብምሉእ ኣይተገላገለትን። ናይ ቻይና ሳትላይት ሓበሬታ በይዶ ግን ከም ዘሎ’ዩ ዝንግር።

ምርምር ሳትላይት

ሳትላይታት እተን ቀንዲ መርኣያ ወታሃደራዊ ሓይሊ 21 ክፍለ-ዘመን’የን ዝርኣያ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሩስያ ኣብ ናይ ክሊ ኣየራ ናይ ሳትላይት ፈተነ ገይራ ነይራ። ኣብ እዋኑ፡ ኣመሪካ፡ ካብቲ ፈተነ ዝወደቐ ጭልፍላፍ ንህይወት ኣብ ዓለማዊ ህዋ ዝርከቡ ተመራመርቲ ጠፈር ሓደገኛ ምዃኑ ቅሬታኣ ኣስሚዓ ነይራ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣስቲን፡ እታ ሩስያ ዝገበረቶ ፈተነ ንርግኣትን ሓባራዊ ህልውና ዝጻባእን’ዩ ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። እቲ ተግባር ንጸጥታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝጻባእ ምዃኑ’ውን እቲ ጸሓፊ ምክልኻል ወሲኹ።

ሩስያ፡ ቻይናን ኣመሪካን ካብተን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ኣብ ምዕባል ዝርከባ ሃገራት’የን። ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ህዋ ንምጕዓዝ ክሳብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይ ድምጺ ቅልጣፈ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ይንገር።

ስምምዕ ጠፈር

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣመሪካ ንስምምዕ ጠፈር ሩስያን ቻይናን ከም ዝተሓሰመቶ’ዩ ዝሕብር። እቲ ሚኒስተር ከም ዝጠቕሶ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣመሪካ ነቲ ጻውዒት ነጺጋቶን ሓባራዊ ቀያዲ ስምምዕ ካብ ምፍጣር ድማ ኣሰናኺላን። ከም መግለጺ እቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ቀንዲ ማእከል’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ኣብ ህዋ ክፍጠር ዝኽእል ውድድር ኣጽዋር ንምውጋድ’ዩ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሜር ፑቲን ብ11 ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ ምስ ኣመሪካዊ መደበር ቴለቪዥን ኤን.ቢ.ሲ (NBC) ኣብ ዝገበሩዎ ጻንሖት’ውን ስምምዕ በይጂንግን ሞስኮን እናዓመቘ ይመጽእ ምህላዉ ሓቢሮም ነይሮም። ፑቲን ኣብቲ ቃለ-መጠየቕ፡ ምስ ቻይና ዝገብሩዎ ዘለዉ በበይኑ ዓይነታት ስምምዕ ኣዝዩ ጽፉዎ ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቲ ስምምዓት እንኮላይ ንምርምር ጠፈር ዝምልከት ምዃኑ ዝጠቐሱ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዝዀነ ተጻራሪ ነገር ከም ዘይረኣዩ’ውን ይውስኹ።

ልፍንቲ ሩስያን ቻይናን ደረት ክህሉዎ ምዃኑ ግን ካብ ማእከል ካርነጂ ዝዀነ ጋቡቭ የመልክት። ከም ኣገላልጻ እቲ ተንታኒ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ስትራተጃዊ ናጽነትን ዝኣምናን ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ከም ዘለወን መጠንን ስእነት ምትእማማን ክመጽእ ከም ዝኽእል ይግምት። ኣብቶም ማሕንቖ ጕዳያት ከም ምርምር ጠፈርን ወተሃደራዊ ምዕባለታትን ብማዕረን ብማዕዶን ክስጕሙ ደኣ’ምበር ተላፊኖም ክመላልኡ እምነት ከም ዝጐድሎም እቲ ተንታኒ ይውስኽ።

ጋቡቭ ከም ዝጠቕሶ፡ ሩስያ ካብ ምስ ቻይና ንላዕሊ፡ ምስ ህንዲ’ያ ዝያዳ ብቐረባ ትሰርሕ። ወታሃደራዊ ርክብ ክልተ ሃገራት ድማ ኣብ ፈለማ 1990ታት ዝጀመረ ሓባራዊ ምምዕባል ክሩዝ ሚሳይል ይርከቦ። ጋቡቭ ወሲኹ፡ ሩስያን ቻይናን ከምቲ ምስ ህንዲ ዝገበረኦ ኪዳን እንተ መስሪተን፡ ንሃገራት ምዕራብ ዓቢ ስግኣት’ዩ ይብል። ከም መግለጺ ጋቡቭ ኣመሪካ ምስ ካልኦት መሓዙታ ሃገራት ከምኡ ዝመስል ወተሃደራዊ ኪዳን ስለዘይብላ፡ ብሕልፊ ንቻይና ኣብቲ ዓውዲ ዓቢ ዝላ ከተመዝግብ ወሳኒ ምዃኑ የመልክት።

ህንዲ’ውን ካብ ቻይና ንዝመጻ ተጻራርነት ንምግጣም፡ ካብ ሩስያ S-400 ዝዓይነቱ መከላኻሊ ሚስያል ዓዲጋ ኣላ። እዚ ስግረ-ርክባት እምበኣር ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳናትን ዝምድናታት ሓያልን ሃገራት መሊሱ ዝሓላልኾ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG