ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ መግለጺ ኢትዮጵያ፡ሱዳን፡ግብጺ፡ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ


ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢን ሃብቲ ማይ ሱዳን፡ኢትዮጵያን ግብጺን ልኡኻቶምን ምስ ሚንስተር ገንዘብ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ጉዳይ ኣመላልኣ ማይን ኣሰራርሓ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ክላዘብ ቐነዩም። ኣብ ምዝዛም እዚ ኣኼባ ሚንስትራት እዘን ሃገራት ምፍራም ኣብ ዘለዎ ዝበልዎ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ገሊጾም።

  1. ደረጃ ብደረጃ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ህዳሴ ዝምልከት ናይ ጊዜ ሰለዳ
  2. ኣብ እዋን ደርቂን ዝተናወሓ ናይ ደርቂ ጊዜን ስነ ስርዓት ምፍኳስ ኣመላልኣ እቲ ግድብ
  3. ኣብ እዋን ደርቂን ዝተናወሓ ናይ ደርቂ ጊዜን ነቲ ግድብ ንምንቅስቃስ ዘድልይ ዓመታዊ ዝተናወሓ ናይ ኣመላልኣ ምፍኳስ ስርዓት

ብተወሳኺ እቶም ሚንስትራትን ልኡኻቶምን ኣብ ዓመታዊን ናይ ነዊሕ ስርሒታት ኣብ ምዱብ ማያዊ ኩነታት’ቲ ግድብ፡ ናይ ምትሕብባር መስርሕ፡ ኣብ ስርዓት ምፍታሕ ዘይምስምማዓትን ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን ምስምማዖም እቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ንደሕንነት’ቲ ግድብ ኣብ ዝተቐመጡ ናይ ተፈጥሮን አከባቢን ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ተጽዕኖታትን መጽናዕታትን መፍትሒ ንምንዳይ ምስምማዖም ኣብቲ ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም ኣለው።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ስምምዓት ዝሓዘ ናይ መወዳእታ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ መወዳእታ የካቲት 2020 ከዳልው ሚንስትራት እዘን ሃገራት ነቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕግን ቴክኒክን ትእዛዝ ምሃቦም’ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቶም ሚንስትራት ካብዚ ስምምዕ ክርኸቡ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ጠቕምታት ከምኡ’ውን ካብ ስርሒታት’ቲ ግድብ ዶብ ተሳጋሪ ንዝኾኑ ምትሕብባራት፡ ዞባዊ ምዕባለታት ቁጠባዊ ውሕደታት ኣፍልጦ ሂቦም ኣለው።

እቶም ሚንስትራት ብተወሳኺ ልምዓት ፈለግ ኒል ኣብ ምምሕያሽ ህይወት ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ሱዳንን ግብጺን ኣገዳስነት ዶብ ተሳጋሪ ምትሕብባራት ደጊሞም ምርግጋጾም እቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG