ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ መግለጺ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን


ብመንጽር ምምስራት አሳታፊ ስርዓት ምስ ምምሕዳር አብይ አሕመድ ተመሳሳሊ መርገጺ አለና ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ኣፍሊጦም።

ፓምፐዮ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ስጉምቲታት ምምሕያሽን ከይዲ ለውጢን ትድግፍ አላ ክብሉ’ውን ገሊጾም።

አብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ብዝምልከት’ውን ግደ ኣሜሪካ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ምጽዓን ዘይኾነ ንሰለስቲኣን ሃገራት ናብ ሓደ ንምምጻእ’ዩ ኢሎም።

ፓምፐዮ ኣብ አዲስ አበባ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ምእታዎም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ’ውን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ አንዳርጋጸው ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓባራዊ መግለጺ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:26 0:00


XS
SM
MD
LG