ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ኮንሶ ሓገዝ ይምሕጸኑ፣ እኹል ግብረ-መልሲ ግን ኣይረኸቡን


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ኣስታት 137-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም መግቢ ከም ዘለዉ ሚኒስትሪ ሕርሻ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። እዚ ብደርቂ ዝተጋደደ ኵነታት ብሰንኪ ተደራራቢ ስእነት ዝናብ ምዃኑ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈትን ሓረስቶት እቲ ከባቢን ንድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

ኣብ ወረዳ ዙርያ ካራት ዝነብሩ ኣቶ ካሳሁን ገሌቦ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ-ዓመታት ዝናብ ብምጥፍኡ ንደርቂ ከም ዝተቓልዑ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዞባ እቲ ደርቂ ካብ ዝኸፍኣለን ወረዳታት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ወረዳ ከና ዝነብሩ ሓረስታይ ኣቶ ኦሽጎሬ ኦዳ ብወገኖም ኣብ ዝለዓለ ፀገም ከምዝወደቁ ገሊፆም። ብሰንኪ ደርቂ መብዛሕትኤን ጥሪቶም ከምዝሞትኦም’ዉን ውሲኾም ተዛሪቦም።

ሓላፊ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ኮንሶ ኣቶ ከፈነ ችቻሮ ብወገኖም ኩነታት’ቲ ደርቂ ዝኸፍኣ ምዃኑን ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ገሊፆም።

ዝበልዕዎ ዘይብሎም 137-ሽሕ ዜጋታት ወሲኹ ልዕሊ 227 ሽሕ ሰባት ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ መምርሒ ሕርሻ’ቲ ዞባ አፍሊጡ’ሎ።

መሻርኽቲ ትካላትን ኢትዮጵያውያንን ንህዝቢ ኮንሶ ህፁፅ ረድኤት ክልግሱ ፌደራል መንግስቲን መንግስቲ’ቲ ክልልን ተማሕፂኖም’ለዉ ።

XS
SM
MD
LG