ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ዕውታት ተማሃሮ ኮሌጅ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ፔንቴክ መቐለ ከፊቶም


ሓሙሽተ ተመረቅቲ ተማሃሮ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ላዕለዋይ ብርኪ ተማሂሮም። ኣብ ኢንስዩቱት ቴክኖሎጂ መቐል ብኮምፒተርን ተመሳሳልን ሞያ ብድግሪ ተመሪቆም። ገና ተማሃሮ ከለው ካብ ተፀባይነት ወፂኦም ከመይ ዓርስና ንክእል ኢሎም ብ2007 ዓ.ም ፔንቴክ ኣይሲቲ ሶሉሽንስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ከፊቶም ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጅን ሕትመትን ክነጥፉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2010 ዓ.ም ድማ ኮሌጅ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ፔንቴክ ብምክፋት ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ባዕሎም ተራ ክጻወቱ ፅኒሖም እዮም። ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምቅራፅ ትካሎም ንምዕባይ ኣክስዮን ኣብ ምሻጥ ይርከቡ።

እዞም መናእሰይ ቴክኖሎጅን ሓቦን ተዓጢቆም ብከባቢ 115 ሽሕ ዝጀመርዎ ስራሕ ሎሚ ብድምር ልዕሊ 9 ሚልዮን ካፒታል ከዋህልሉ ኪኢሎም እዮም።

ምስ ኣካቢ እታ ውዳበ መንእሰይ መብራህቶም ገብረዮሃንስ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG