ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብጥሮታ ካብ ሓላፍነቶም ክዓርፉ ተወሲኑ


ኣቶ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ ስብሓት/)ሓዊሱ ኣብ ውድብን መንግስትን ከገልገሉ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ሰበስልጣን ብጥሮታ ካብ ሓላፍነቶም ንክዓርፉ ምውሳኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ስብሓት ነጋ ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስትራተጂ ርክብ ወፃኢ ጉዳያት ብምዃን ክገልግሉ ዝፀንሑ እዮም።

ብጡሮታ ክዓርፉ ዝተገብሩ ካልኦት ሰበስልጣን ኣብ ማእኸል ፖሊሲ መፅናዕትን ምርምርን ከገልግሉ ዝፀንሑ ዶ/ር ካሱ ኢላላ፣ኣብ ፕሮጀክት ፖሊሲ ዝተዋደደ ኣጠቓቕማን ትልምን መሬት ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ በለጠ ታፈረ፣ኣብ ንግድን ኢንዱስትሪን ትልሚ፣ኣፈፃፅማን ክትትልን ፖሊሲ ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ ታደሰ ሃይለን ኣብ ማእኸል ምርምር ፖሊሲ ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ መኮነን ማንያዘዋልን እዮም።

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ከገልግሉ ንዝፀንሑ ውልቀሰባት ብጥሮታ ክዓርፉ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝቕፅል እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ለውጢ ዕውት ንኽከውንን ድልየት ልምዓትን ለውጥን ህዝቢ ንምምላስን ዘኽእሉ ስጉምትታት እናተወስዱ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG