ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ መነኮሳት ደብረ-ቢዘን፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብፖሊስ ተታሒዞም ከምዘለዉ፡ ይግለጽ ኣሎ


ቀሺ ሓለፎም ዓንድማርያም
ቀሺ ሓለፎም ዓንድማርያም

ሓሙሽተ መነኮሳት ደብረ-ቢዘን፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብፖሊስ ተታሒዞም ከምዘለዉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምንጭታት ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ሓቢሮም።

ካብ`ቶም ሓሙሽተ መነኮሳት ነቶም ሰለስተ ብቐረባ ከም ዝፈልጥዎምን ነቲ ሓዲሽ ጉዳይ ማእሰርቲ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ዝገለጹ፡ ኣብ ከተማ ቻርለት ኖርዝ ኮረላይና ዝነብሩ ቆሞስ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ቀሺ ሓለፎም ዓንድማርያም፡ እቶም ሓሙሽተ መንኮሳት፡ ካብ ደብረቢዘን ተጸዊዖም ናብ ጊንዳዕ ከምዝኸዱን፡ ብፖሊስ ተታሒዞም ኣበይ ከምዘለዉ`ኳ ከም ዘይፍለጥን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ምኽንያት መእሰሪኦም፡ ነቲ ብኣቡነ-ሉቃስ ዝምራሕ ሓዲሽ ምምሕዳር ኦርቶዶክስ ኤርትራን፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ቤተክርስትያንን ብምቅዋሞም ክኸውን ከምዝኽእል`ውን ተዛሪቦም።

ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያም ብምውሳኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ብመንግስቲ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ማሕዩር ስጉምቲ ብዝኾነ መልክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ከቢድ ሳዕቤን ዝወልድን`ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG