ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዓለማዊ ማዕከን 18 ቢልዮን ዶላር ንምትእኽኻብ ይብገሱ


መሳርሒታት መርመራ ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ
መሳርሒታት መርመራ ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ

መራሕቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ርዋንዳ፡ ሴነጋልን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ በበይኖም ለገስቲ ኣካላት፡ ንዓለማዊ ማዕከን ዝውዕል 18 ቢልዮን ዶላር ንምውህላል ዝዓለመ መደብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሮም።

እቲ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ንኣስታት 20 ሚልዮን ህይወት ከድሕን ትጽቢት ዝግበሮ ኰይኑ፡ እቲ ማዕከን ድማ ኣንጻር ሕማማት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፡ ቲቢ፡ ዓሶን ካልኦት ለበዳታትን ዝውዕል’ዩ። እቶም መራሕቲ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ትማሊ ዝተጋብአ ናይ ማንዛ ኣኼባ ኣብ ዝገበሩዎ ጻውዒት፡ ኣብ ዓመተ 2030 ነቶም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኰይኖም ዘለዉ ሕማማት ንምውጋድ ወይ ድማ ኣዝዩ ንምጕዳል ከም ዝሕልኑ ኣፍሊጦም።

ዓለማዊ ማዕከን ኣብ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘመዝገቦ ምስጉን ስራሕ ዝጠቐሱ ኣካየድቲ እቲ ትካል፡ እቲ ተወጢኑ ዘሎ መጠን ምስ ዝርከብ ኣብ ሓያሎ ጽላታት መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ይምጉቱ።

ብመሰረት ካብቲ ትካል ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ንመበል ሻውዓይ ዳግመ-ርሸታ (እብረ) ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ከተኣናግዱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG