ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓመድ ምዕቃብ ዝግበር ጻዕሪ ንመነባብሮ ገፈፍቲ ዓሳ የመዛብል


ፋይል
ፋይል

ኣብቲ ፈለጋት ወሽመጥ ሜክሲኮን ሚሲሲፒን ዝርኸባሉ ገማግም ባሕሪ ልዊዛና፡ ሓድሽ መሬት ክለምዕን ክውስኽን ይርአ። ከም ኣገልላጻ ካብ በዓል-መዚ ዕቃበ ገምገም ባሕሪ ዝዀነ ብረን ሃስ፡ እቲ መሬት ኣብ ኣመሪካ ዝሓደሰ ቦታ ምዃኑ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ድማ ካብ ክፍለ-ሃገር ሚሲሲፒ፡ ተባሕጒጉ ዝወረደ ሓመድ’ዩ ንኣሽሓት ዓመታት ምስ ተኣከበ ነቲ ለሰ ፈጢሩዎ።

ነቲ ስቡሕ መሬት ከልካሊ ኣብ ዘይብሉ፡ ካብ 1930 ኣትሒዙ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር ሓመድ ተባሕጕጉ ከም ዝተወስደ እቲ በዓል-መዚ የረድእ።

ብረን ሃስ"ልዊዛና ኣብ ቅልውላው ስእነት መሬት ዘላ ክፍለ-ሃገር’ያ። ዕቃበ-መሬት ኣካል ባህልና’ዩ፡ ንሱ ድማ’ዩ ነቲ ሕብረተሰብና ክጠምሮ ዝኽእል። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምንጪ ቍጠባና ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ቀጻሊ ዝርአ ባህርያዊ ሓደጋታት ምስ ዘጋጥም ከም እቲ ቀዳማይ መከላኸሊ ድፋዕና ኢዩ፡” ይብል ።

ኣብ ምቅይያር ክሊማን ብራኸ ባሕሪን መሰረታዊ ለውጢ እንተ ዘይተገይሩ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት፡ ልዊዛና ተወሳኺ ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር መሬት ክትከስር’ያ።

ነዚ ንምግባር እምበኣር’ዩ በዓል-መዚ ምክልኻልን ምዕቃብ ገማግም ባሕሪ ሓድሽ ኣሃዱ ኣቚሙ፡ 1.4 ቢልዮን ዶላር ብምስላዕ፡ መሬት ከዳላድል ዝጽዕር ዘሎ።

እቲ ሓሳብ ይብል፡ ካብ በዓል-መዚ ምክልኻልን ምዕቃብ ገማግም ባሕሪ ብረን ሃስ፡ መትረብ ፈጢርካ ነቶም ፈለጋት ንምርኻብ’ዩ።

እንተዀነ፡ ሓያሎ ኣብቲ ገማግም ዝቐመጡ ዜጋታት ነቲ መደብ ኣይድግፉዎን’ዮም።

ኦይስተር ዝተባህሉ ዓሳታት ብምግፋፍ ዝናበር ብራንድ ሮቢን ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ’ዩ። "እቲ ቀንዲ ጸገም ሓድሽ ማይ ናብዚ እንተ ኣውሒዞም ከነፍርዮ ንኽእል ነገር ኣይክህሉን’ዩ። ነቲ ዝነበረ ኣቃውማን ኣብዚ ቦታ ፈርዩ ዝነበረን’ውን ከጥፍኦ’ዩ፡” ይብል።

ገፈፍቲ ዓሳ እቲ ገማግም ይጠፍእ ምህላዉ ኣይሰሓቱን። ነቲ ምድልዳል መሬት ግን ካብ ወሽመጥን ፈለጋትን ክምላእ ይድግፉ።

እንተዀነ ብወገን በዓል መዚ ገምጋም ተመሳሳሊ ስራሕ ተፈቲኑ ነይሩ። እቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ውጽኢት ግን ኣይሃበን።

እቲ መደብ ንዅሉ ከሕጕስ ከም ዘይክእል ድማ ሃስ ይዛረብ።

ሃስ"መሰረታዊ ናይ ኣቃውማ ለውጢ ከምጽእ ዲዩ? ነቶም ኣብ ገማግም ዘለዉ ህዝቢ ብኣሉታ ክጸሉ ዲዩ? ብርግጽ እወ! ብዛዕባኡ’ውን ካብ ፈለማ ግሉጻት ኴንና ኢና ቀሪብና። ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ጎድናዊ ጸገማት ዝኸውን ባጀት’ውን ሰሊዕና ኢና፡” ይብል።

እቲ ክፍሊ-ሃገር ድማ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ሓድሽ ስራሕ ከናድዩ ወይ ድማ ነቲ ዝወረዶም ክሳራ ንምሕዋይ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ ኣሎ።

ንሰለስተ ወለዶታት ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ኦይስተር ካብ ዝነጠፉ ስድራ ዝመጸ ሮቢን፡ ደቁን ደቂ-ደቁን እንታይ ክሰርሑ ምዃኖም ኣይፈልጥን።

ሃስ ከም ዝብሎ ግን ብዝዀነ ለውጢ ይመጽእ ስለ ዘሎ ንዕኡ ዝበቅዕ ምድላው ክግበር ከም ዘለዎ የዛኽኽር።

XS
SM
MD
LG